ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብኢሱ ይቕጽል ከምዘሎ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ማለት ሁማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ። እቲ ኣህጉራዊ ትካል ነዚ ዝሓበረ ንገስጋስ ሰብኣዊ መሰላት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣመልኪቱ ዓመታዊ ኣብ ዝዝርግሖ ዓለማዊ ጸብጻብ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ተርእዮታት መግረፍቲ : ዘይሕጋዊ ድጎና፡ ሕሱም ኣተሓሕዛ እሱራት :ግዱድ መስወርቲ: ግዱድን ገደብ ግዜ ዘይብሉን ዕስክርና፡ ቀይዲ ነጻነታት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ጾታዊ መሰላት፡ ምትእኽካባትን ስለማዊ ሰልፍታትን ካልእን ከም ልሙድ ይቕጽል ምህላዉ ዘምልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካ፡ ሓሳብን እምነትን እሱራት ዝወርድ በደላት ማእሰርቲ’ዉን ሓሲሙ ይቕጽል ከምዘሎ ይጠቕስ።
ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብዝኸፍአ መልክዑ ይተዓጻጸፍ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ: ኣዝማድን መቕርብን ናይቶም ካብ ዕስክርና ተሓቢኦም ዝበሃሉ ዜጋታት ብቐጻሊ ይእሰሩን ካብ ቤት-ንብረቶም ይፈናቐሉን ምህላዉ የረድእ።
ግዱድ ዕስክርናን ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ማእከላይ ጠንቂ ስደት ኤርትራዉያን ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ዘገንዘበ እዋናዊ ጸብጻብ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዉሽጢ እዚ ዝሓለፈ ሳላሳ ዓመታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኤርትራውያን ናብ ስደት ከምርሑ ምኽኣሎም የተሓሳስብ። ጸብጻብ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ምወዳእታ ፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ተሓታትነት ይቕጽሉ ምህላዎም ደጊሙ ኣስሚርሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ሓደ ካብ ገዘፍቲ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዩኒሴፍ ፡ ነታ ወኪል መላኺ ስርዓት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ኣብ ፈጻሚ ቦርዱ ምክትል ፕረዚደንት ኽትከዉን ምምራጹ እዩ።
ዩኒሴፍ ፡ ነታ ንመሰላት ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ ዕለታዊ ዝጥሕስ ዘሎ ስርዓት ወኪላ ኣብ ኒውዮርክ እትነጥፍ ኣምባሳደር ህግደፍ ንኸምዚ ዝበለ ጽፍሒ ምርቋሑ፡ ንመትከላት ሰብኣዉነት ዓለምና ብሓፈሻ ንመሰላትን ድሕነትን ህጻንት ድማ ብፍሉይ ብቕሉዕ የናሹ ምህላዉ ዘርእይ እዩ።