ኣብ ስደት ኮይኑ ግዳይ ቀጻሊ ፖለቲካዊን ገንዘባዊን ምዝመዛታት ህግደፍ ዝኸዉን ዘሎ ሰዓቢ : ብናይ ሓሶት መብጸዓታት ጉጅለ ህግደፍ ተታሊሉ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኪገብሮ ዝጸንሐ ገንዘባዊ ደገፍ ኣብ ባይታ እንታይ ፍረ ተረኺብዎ ኢሉ ከገናዝብ የድሊዮ ኣሎ።
ህግደፍ ኣብ ስደት ንዘሎ ዜጋ ዘደፋንቚ ምኽኒታት እንዳመስርሐ : ኣብ ምጭፍላቕን ምጩቋንን እቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ዘዉዕሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ንምኽዕባት ዝገብሮም ዘሎ ወፍርታት : እቶም ደገፍቲ ነቒሖም ባዕሎም እንተዘያርሒቘም፡ ህግደፍ ሕልና ገዚእዎ ባዕሉ ኪገድፎ እዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።
ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝሳቐ ዘሎ ወገኑ ዘለዎ ሻቕሎት መዝሚዝካ ልዑል ገንዘብ ንምምንዛዕ ብህግደፍ ተሓንጺጾም ብኤምባሲታትን ቆንስላትን ዝስርዑ ጐስጓሳትን ህዝባዊ ሰሚናራትን ንልዕሊ 30 ዓመታት ከምዘየቋረጹ ዝፍለጥ ኮይኑ : በቶም ጐስጓሳት ዝተዋጽአ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ሓፋሽ ዘምጽዎ ንጣር ለዉጢ እንተልዩ ኩሉ ደጋፊ ህግደፍ ምስ ነብሱ ኪተሓሳሰብ ይግባእ።
እተን ድሕነትን ዜግነታዊ ኣገልግሎታትን ኤርትራዉያን ከዉሕሳ ዝጽገማ፡ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ምምንጣል ጥራይ ዝቐለን ኤምባሲታትን ቆንስላትን ፡ “ገንዘብ ኪዋጽኣሎም ይኽሉ እዮም” ዝተባህሉ መዝመዝቲ ሸነኻት እንዳዋዓውዓ ፡ ህዝቢ ገንዘቡ ከዉፊ ናይ ዘመተ ድግሳት ሰሪዐን ካብ ምጽዓት ኣየዕረፋን።
ብስም ማሕበረኮም ዝሻቐጣ መሓወራትን ትካላትን ህግደፍ ዝዉድብኦም ማሕበራዊ ንጥፈታት፡ ንፍቕርን ምትሕቚቛፍን ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝበሃጉ ንጥፈታት ዘይኮነ : ጽልእን ፍልልይን እንዳጎስጎሱ ልዑል መጠን ገንዘብ ንመሳለዪ ስልጣን መላኺ ስርዓት ዘኻዕብቱ ብምዃኖም ይፍለጥ።