ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ታ ሃገር ብቐንዱ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ካብ ዝቕጽል ዘሎ ዘይተደልየ ድጎናን መስጐግቲን ንኽገላገሉ ቀጻሊ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሩ። እቲ ጨንፈር ነዚ ዝሓበረ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ መዓልታት ፡ ኣብ ማእሰርቲ ንዝጸንሑ ልዕሊ 60 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንኽፍትሑ ዕዉት ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ድሕሪ ምቅናዑ እዩ።
ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ካብ ዘይተደልየ ምንግልታዕ ንኽድሕኑ ኣባልነን መንቀሳቐሲን ክሕዙ እዉን ክፉት ዕድመ ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ ዕድመ ኪንዮ ግዝያዊ ድሕነት ፡ ኣንጻር እቲ ጠንቂ ስደትን ሕስረትን ወገናትና ኾይኑ ዘሎ ኣብ ኣስመራ ተሓቢኡ ዘሎ ስርዓት እዉን ብዝተወደበ መልክዕ ደዉ ኢልካ ንምቅላስ ዝጽውዕ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ወገናትና ኣብዚ ግዜ እዚ ፡ ብሰሪ እቲ ንግዝያዊ ረብሓኡ ጥራይ ክብል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዘይቅዱስ ኪዳን መስሪቱ ሕጂ ንዂናት ዝቀራረብ ዘሎ ህግደፍ ፡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቘም ግዳያት ዝተፈላለዩ በደላት ይኾኑ ምህላዎም ዝሓበረ ብርጌድ ንሓመዱ ኢትዮጵያ፡ እቶም ወገናትና ካብዚ ንምውጻእ ኣብ ዘኽእልዎም ዉዳቤታት ኽጥርነፉ እዩ ኣዘኻኪሩ ዘሎ።
ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝመጽ 25 ጥሪ ገዚፍ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰሪዑ ንኹሎም ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ዓዲሙ ከምዘሎ ይፍለጥ። እቲ ጨንፈር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ርኡይ ገስጋስ እንዳመዝገበ ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር እዉን ኣስራሒ ዝምድና እንዳፈጠረ ንዝሓየለ ፖለቲካዊን ዕጥቃዊን ቃልሲ ይጽዕት ምህላዉ ይንገር።
ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ናብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ምቕራቡ ንህግደፍ ተወሳኺ ሻቕሎት ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ። ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ኢትዮጵያ ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ፈላሚን ዕውትን ኣኼባ ከምዘቃንዐ ይርሳዕን።
ህግደፍ ኣብ ጎረባብቲ ሃገርት ልዑል ቊጽሪ ኤርትራዊ ስደተኛ ኸይህሉ ዝተፈላለዩ ጸቕጥታት እንዳገበረ መንእሰያት ኣርሒቘም ንኽስደዱ ኽደፍ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኾይኑ፣ መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ኣቐዲሞም ኣብ ኡጋንዳ ሕጂ ድማ ኣብ ቀረባ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዉዳቤታቶም ብወግዒ ከጠናኽሩ ምጅማሮም ንህግደፍ ዘየደቅስ ጉዳይ ኾይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ፈላሚ ናይ ዝሓለፍ ግንቦት ኣኼባ፡ ብ ብኣማኢት ዝቚጸሩ ብርጌዳውያን ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ተኣኪቦም ብትብዓት ናይ ቃልሲ ድልዉነቶም ምርግጋጾም ዝዝከር ኮይኑ፡ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኪንዮ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስደት ምቚጻይ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ተሓቢኡ ዘሎ ምልኪ ብድሎ ንምግጣም ዘኽእሎ መቃለሲ ባይታ ኣብ ምድልዳል ከምዝርከብ ብተግባር ነቒሎም ምህላዎም ገሊጾም ኔሮም።