ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኣፍሪቃ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝት ኣሜሪካ ክቋረጽ ዝሃቦ ፈጻሚ ትእዛዝ፡ ንሰብኣዊ ሓገዛት ኣሜሪካ ተሞርኪሰን ኣብ ልዕሊ ዝከዳ ሃገራት ኣፍሪቃ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ዓቢ ስክፍታ ከምዝፈጠረ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስልጣኑ፡ ካብ ኣሜሪካ ሓገዝ ዝረክባ ሃገራት ምስ ዕላማታት ፖሊሲ ኣሜሪካ ዘለወን ምትእስሳር ንምግምጋም፡ ኩሉ ዓይነት ናይ ሓገዝ መደባት ኣመሪካ ን90 መዓልታት ደው ክብሎ ምውሳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝቅጽል 3 ኣዋርሕ ብዝካየድ መጽናዕቲ ፡ መደባት ሓገዝ ኣመሪካ ምስ ዕላማታት ፖሊሲ ትራምፕ ዝሰማማዕ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ክግምገም ምኳኑን፡ ድሕሪ”ቲ ዝካየድ ገምጋም ውን፡ ምቅጻልን ምቁራጽን ሓገዛት ዝብል ውሳነታት ከሕልፍ ምኳኑን ምግላጹ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ከቢድ ሻቅሎት ፈጢሩ ይርከብ።
እቲ ብፕረስደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተፈረመ ሃገራዊ ሰነድ፡ ናይ ወጻኢ መደባት ሓገዝ ኣሜሪካ ምስ ረብሓታት ኣሜሪካ ዘይቃዶ፡ ምስ ክብርታት እታ ሃገር ዝጻረርን፡ ምስ ፖሊሲ እተን ሓገዝ ዝረክባ ሃገራት ውን ዘይሳነን ብምኳኑ፡ በካሊ ሓሳባት ብምምዕባል ሰላም ዓለም ንምዝራግ የገልግል ኣሎ ዝብል ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኣሜሪካ ዝረክቦኦ ሰባኣዊ ሓገዝ ክስእና ክግደዳ ብምኳነን፡ ኣብ ድካታት ሃገራት ኣፍሪቃ ሃንደበታዊ ቅልውላው ከይክሰት ስጋኣት ብዙሓት ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ዓመተ 2024 ጥራይ ኣመሪካ ንሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ልዕሊ 6.6 ቢልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘበርከተት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ትራምፕ ሓገዝ ንምቁራጽ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ግጭት ዝወልድ፡ ሰብኣዊ ብድሆታት ዝፈጥርን፡ ንዘይምርግጋእ ዘጋድድን እዩ ተባሂሉ፡ ድሮ ብዙሕ ተቃውሞታት ኣስዒቡ ይርከብ።