ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2023 ኣብ ሞንጎ ብጀነራል ሓምዳን ደጋሎ ሕሜቲ ዝምራሕ ወሃቢ ቁልጡፍ ደገፍን፡ ናይ ጀነራል ኣልቡርሃን ሃገራዊ ሰራዊትን ግጭት ሓድሕድ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሱዳናውያን ዜጋታት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም፡ ልዕሊ 1ሚሊዮን ዝኮኑ ዜጋታት ውን ግዳይ ዘይተወጠነ ስደት ከምዝኮኑ”ዩ ጸብጻብ ውድብ ሕብራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ: ልዕሊ 770 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ሱዳን ብስግረ ዶባዊ ጉዕዞ፡ ከሙኡ ውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጽሩ ህዝቢ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሃገሩ ገዲፉ ከምዝተሰደደ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ፡ ካብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ንምህዳም ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝሰገረ”ዩ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቅስ።
መብዛሕተኦም ዶብ ዝሰገሩ ዜጋታት:ካብ ውግእ ሕድሕድ ሃገሮም ሃዲሞም ናብ ሰሜን ሱዳን ዝኣተው ደቡብ ሱዳናዊያን ምዃኖም’ውን እቲ ዜና ወሲኹ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ቁጽሪ ካብ ሱዳን ሃዲሞም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝዕቆቡ ዘለዉ ስደተኛታት ልዕሊ 1ሚሊዮን ምብጽሑን፡ ገና ውን ይቅጽል ምህላዉን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቀውሲ ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ዝምስክር”ዩ ክብል ወሃቢ ቃል ናይቲ ኮምሽን ኣብ ደቡብ ሱዳን ይገልጽ።
ሱዳን ብደረጃ ዓለም ዝከፈአ ናይ ምፍንቃል ዜጋታት ኩነታት ዝተከስተላን፡ ኣብ ዝበዝሕ ክፋላት እታ ሃገር ዓጸቦ ዝተኣወጀላን ሃገር ኮይና ምህላዋ ውን እቲ ኮምሽን ይገልጽ።