ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ንገስጋስ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኣብ ምዕጋት ተጸጊሙ ከምዘሎ ዕለታዊ ይገሃድ ኣሎ። ኣንጻር ኣባላት እቲ ደንበ ዝጉስጉሱን ጸለመታት ዘባዝሑን ዉልቀሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንዳዓደምካ ብመሓዉራት ህግደፍ ተጀሚሩ ዘሎ ጠፉሽ ዘመተ፡ ህግደፍ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ እዚ ደንበ ዝፈተኖም ኩሎም ወፍርታት ፍረ ከምዘይሃብዎ ዘረጋግጽ እዩ።
ወረን ሕሜትን ዝወልፎም ተራ ዉልቀሰባት ኣብተን ብህግደፍ ዝምእዘና ማሕበራዊ መራኸቢታት እንዳዓደምካ፡ ኣብ ደንበ ፍትሒ ፍረ ዘለዎ ተራ ንዝጻወቱ ተቓለስቲ ንምጥቃንን ሞራሎም ንምትንካፍን ዝዕላማኦም ዕላላት ከጽዕቚ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብ ደንበ ፍትሒ ዓንቲሩ ዘሎ ንጹርነት ብኸምዚ ዝበለ ጥፉሽ ወፍሪ ህግደፍ ዝብርዕን እኳ እንተዘይኮነ፡ ህግደፍ ኣብዚ ሰዓት እዚ ከምዚ ዝበለ ፎኲስ ፈተነ ከውፍር ምህቃኑ ፡ ደንበ ፍትሒ ብተደጋጋሚ ንዝዘነብዎ ሽርሕታት መኪቱ ይቕጽል ምህላዉ ዘግህድ እዩ።
ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ደልዲሉ ዘሎ ንቕሓትን መንፈስን : ነቲ ህግደፍን መሓዉራቱን ኣብ ልዕሊ እቲ ደንበ ንዓመታት ከስምርዎ ዝሃቀኑ ናይ ጓንነት ስምዒት ከም ቀልዲ ንዒቚ ፡ ናይ እንታይ ከይብሉኒ ስክፍታ ኣርሒቚ ዘሎ መንፈስ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ምልኪ ተሳጒጉ ፍትሒን ሓርነትን ክሰምር ዝቃለስ ኩሉ ሃገራዊ ከም ውሉድን ልኡኽን ጓኖት ኣምሲልካ ዝንዛሕ ጸለመ ግዜኡ ጸንቂቚ ምህላዉ ፡ ካብቲ ኣብ መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ዝንጸባረቕ ዘሎ ንጸለመን ምጒናይን ህግደፍን መሓዉራትን ቅንጣብ ኣድህቦ ዝኸልእ ትብዓትን ክትርዳእ ዝከኣል እዩ።
ብዘይካ’ ዚ ብርጌድ ንሓመዱ ናብ ኢትዮጵያ ምቅራቡ ሕማም ርእሲ ኮይንዎ ዘሎ ህግደፍ ንኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰሪዑ ንኹሎም ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ዓዲሙ ከምዘሎ ይፍለጥ። ብርጌድ ንሓመዱ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ርኡይ ገስጋስ እንዳመዝገበ ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር እዉን ኣስራሒ ዝምድና እንዳፈጠረ ንዝሓየለ ፖለቲካዊን ዕጥቃዊን ቃልሲ ይጽዕት ምህላዉ ይንገር።
ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ናብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ምቕራቡ ንህግደፍ ተወሳኺ ሻቕሎት ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ። ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ኢትዮጵያ ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ፈላሚን ዕውትን ኣኼባ ከምዘቃንዐ ይርሳዕን።