ህግደፍ ኣብ ሓደ መትከል ነዊሕ ክጸንሑ ንዝጽገሙ ተወላወልቲ ናብ ሃገር እንዳዓደመ ናይ ሓርበኛ ኣቀባብላ ኸግዝሞምን ምምራጹ ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ጠፊሹ ከምዘሎ ደጋጊሙ የመስክር ኣሎ።
ንዘሎ ክኢላዊ ዓቕሚ ኣሳጒጉ ንሃገር ኣባዲሙ ዘሎ ህግደፍ: ነታ ዝፈትዋ ባህሪ-ምስሉይነት ዝተላበሱ ገለ ተወላወልቲን፡ ናይ ክድዒ ነባራትን ብመደብ ናብ ሃገር ይዕድምን ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንምምጻእ ሃገር ኩሉዓይነታዊ መስዋእቲ ዝኸፈለን ገና ዝኸፍል ዘሎን ሓቀኛ ሃገራዊ ይላገጽን ከምዘሎ ይፍለጥ።
ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝበለ ትያትር ጉልባብ ቀሊዑ ክጽዕት ምርኣይ ፡ ክሳብ ክንደይ ተባቲኽዎ ከምዘሎ ገዚፍ ምልክት እዩ ። ብዙሓት ዝድግፍዎ ዝነበሩ ዜጋታት በዚ ሕሱር ንጥፈታት ይወቕስዎን የዕዘምዝሙን ከምዘለዉ እዉን ኣይርሳዕን።
ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ፍጹም ኪኽሕድ ዝመርጽ ኤርትራዊ ኣብ ዓይኒ ህግደፍ ሓለፋ ተመራጽነት ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኾይኑ: እቶም ኣብ ደንበ ህግደፍ ዝባርዩ ዘለዉ ደገፍቲ ፡ እቶም ንጸገም ህዝቦም ክሒዶም ሕልናኦም ቀቲሎም ኣብ ቀጻልነት ስቓይ ህዝቦም ዓብይ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ እዮም ።
ሓደ ሃገራዊ ዝበሃል ብዛዕባ ኩሉንትናዊ ጽባቐን መስተርሆትን ህዝቡ ሓሲቡ ኪጓዓዝ ዝግብኦ ዜጋ ኽንሱ: ደገፍቲ ህግደፍ – ተሓንጊጦማን ዝሕብኡላን ዘለዉ ዓይነት ሃገራውነት ግን ናይ ፍርሂን ረብሓን ኮይና ምህላዋ ይፍለጥ። ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥን ህዝቢ ብኣካል ዝሓልፎ ዘሎን ሕሰም ፡ “ብሰንኪ ምዕራባዊ እገዳ እዩ” ንዝብል ምውት ምክኒት ህግደፍ ኣሚኖም ዝጓዓዙ ዘለዉ ደገፍቲ : ነቲ ሓቂ ዘንጊዖም ዘይኮኑ : ሕልናኦም ፍርሂ ስለዝበልዖ ጥራይ ምዃኑ እዉን ምርዳእ ኣየሸግርን።
ናብ’ታ ንህዝብኻ ሲኦል ኮይና ዕለታዊት እትቐጽዕ ዘላ ኤርትራ ፡ ንረኣዩለይ :ናይ ሒደት ሰሙናት ብጽሖ ንኽፍቀደልካ ንቐታሊ ህዝብኻ ዝኾነ ስርዓት ከተምልኽ ምምራጽ እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ክድዓት ምዃኑ :እዞም ሎሚ ምስ ቀታሊ ህዝቢን ሃገርን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝለሃዩ ዘለዉ ስማውያን ሃገራውያን ድማ: ኣብታ ደሓር ብቅዋምን ፍትሒን እትግዛእ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ መላኺ ተሰሪዖም ከምዝምዘኑ ክግንዘቡ የድሊ።