
ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ብዝጽዕቘ ዘሎ ኣህጉራዊ ወቐሳታት ዝተረበሸ ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ዓቕሊ ጽበት መግለጺ ብምውጻእ፡ ፍርሁ ከንፍስ ይርአ ኣሎ።
ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ዝኣኻኽቦም ዘሎ ንኣካይዳታት ህግደፍ ብድሎ ዝቃወሙ ዲፕሎማሰኛታት፡ ከም ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ፡ ግዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ ኮሚቴ ድሕነት ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ዝበሉ ተሓለቕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ዓመት ዘካፍልዎ ናይ ህግደፍ ጉዳት: ከም ዋሽንግተን ፖስት ናይ ኣመሪካ፡ ሀርትዝ ናይ እስራኤል ፡ ዘ ጋርድያን ናይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ዓበይቲ ጋዜጣታት ዘስፍርዎም ዘለዉ ኣቃላዕቲ ሓበሬታታትን ተኣኻኺቡ ንህግደፍ ኣርዒዱ ዘሎ እዩ።
ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ብ23 ጥሪ ኣውጺእዎ ዘሎ መግለጺ ፡ ኣብ እስራኤላዊ ጋዜጣ ሀርትዝ ዝወጸ ጽሑፍ ህግደፍ ከም ስዉር ኢደቤዛ ፖሊስታት ኢራን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኾይኑ ይነጥፍ ምህላዉ ዘመላኽት ጽሑፍ ዝቃወም ምጉት ፡ ብቐንዱ ንትሕዝቶ እቲ ሓበሬታ ንምቅዋም ዘይኮነ፡ በቲ ዝገዝፍ ዘሎ ኣህጉራዊ ጽለኣት ኣመና ፈሪሁ ምህላዉ ዘመላኽት ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ በዓላት ግንቦተ ሰነን ፡ መስከረምን ዝኽሰት ወቕታዊ ኣህጉራዊ ተጻብኦታት ከምዘየፍረሆ ኽመሳኸር ዝፈተነ እቲ መግለጺ፡ በንጻሩ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ርዒዱ ከምዘሎ ካብ ምንጽብራቕ ኣይበኾረን።
ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ክመጽእ ክህንጠ ዝጸንሐ ህግደፍ ፡ ኣካይዳታት እቲ ሓድሽ ኣመሪካዊ ፕረዚደነት ንረብሓኡ ዝጻባእ ከምዝኸዉን ብኣጋኡ ተሰዊጥዎ ምህላዉ እዩ ኣብዚ እዋናዊ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ኣተንቢሁ ዘሎ።
ስልጣን ካብ ዝሕዝ ፡ ንናይ ዞባን ኣህጉርን ተጻብኦታት ደዉ ዝበልኩ እየ እንዳበለ ንዕድል ህዝቢን ሃገርን ዝቐትል ዘሎ ህግደፍ፡ ሕጂ’ዉን ነዚ ልሙድ ምኽንያት ኣራጒዱ ንህዝብና ኣብ ሰንሰለታዊ ኲናትን ተነጽሎን ከሳቕዮ ኩሉዓይነታዊ ምድላዋት ኣጻፊፉ ይርከብ።