ኢትዮጵያ ደጊም ናይ ሓደ ዜጋ ሂወት እዉን ይዂን ኣብ ኲናት ክትከስር ኣይንደልን ፡ ኮፍ ንበል ንዘራረብ፡ ክብል ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝኾነ ፡ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ሬጋሳ ጸዊዑ። ንሱ ነዚ ዝጸውዐ ፡ ብቤት ምኽ ወከልቲ ህዝብታት እታ ሃገር ኣብ ዝተወደበ መበል ካልኣይ መድረኻዊ ዋዕላ ዜጋታት ተረኺቡ ሓሳቡ ኣብ ዘካፈለሉ እዩ።
ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ሬጋሳ ኣብ ዘረባኡ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ቀጻልነታ ከተረጋግጽ ኣብ ሃገራዊ ስምምዕ ክትበጽሕ ከምዘድልያ፡ ከምዚ ዝበለ ስምምዕ ድማ ንረብሓ ዉልቀሰባትን ጉጅለታትን ዘይኮነ ንሃገራዊ ህላዌኣ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ከም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጊደዎን ጢሞቲዎስ ፡ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብታት ታገሰ ጫፎን ብዙሓት ካልኦት ጸለውቲ ዕዱማት ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ፡ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ሬጋሳ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ምዕቡል 21 ክፍለዘመን ኣብ ኲናት ሕድሕድ ተሸሚመን ምስ ዝርከባ ሒደት ሃገራት ምህላዋ ብምዝኽኻር፡ እዚ ጉዳይ እዚ ብኹሎም ሃገራውያን መሻርኽቲ ዘድሊ ግምገማ ከምዘድልዮ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ምቅይያራት ዝምዝገቦም ዘሎ ክልላዊን ፈደራላዊን ጉዳያት : እታ ሃገር ኣትያቶ ንዘላ ኣብ ሓጺር እዋን ዝዉጻእ ዘይመስል ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ዘግህዱ ይኾኑ ምህላዎም ብብዙሓት ወገናት ክዝረብ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ቅሉዕ ክርፍስ ተቓሪቡ ዘሎ ምግምማዕ ህወሓት: ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዓቕሚ ሰራዊት ፈደራል ወጻኢ ዝኸዉን ዘሎ ዕጥቃዊ ብድሆ: ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝስዕርር ዘሎ ስርዓት ኣልቦነት: ከምኡ’ዉን ኣብ መሪሕነት ብልጽግና ዝንጸባረቕ ዘሎ ዉረድ ደይብን ካልእን: እታ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እትምራሕ ዘላ ሃገር ናብ ፍጹም ዉድቀት ትቃረብ ከይትህሉ ዘመላኽቱ ሓደጋታት ኮይኖም ኣለዉ።
እዚ ኹሉ ብድሆታት ምስቲ ኢትዮጵያ እትሓልፎ ዘላ ቊጠባዊ ጸገምን እታ ሃገር ካብ ግብጺ ዝጽዕቃ ዘሎ ከበባን ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓጺር ሓጺር ከይሓስብን ምስ ጎረባብቲ ኲናት ከይእዉጅን እዉን ስክፍታ ሓያለ ወገናት ኮይኑ ኣሎ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምብትታን ሸሚምዋ ከምዘሎ ካብ ጸለውቱ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ዝኾነ ጆሃር መሓመድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2024 ኣተሓሳሲቡ ኔሩ’ዩ።
ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘቃንዖ ቃለ-መሕትት፡ ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣርሒቚ ንዘዝነቐሉ ተቛውሞታት ብሓይሊ ኽምልስ ናብ ዝፍትን መላኺ ጸርዩ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ እታ ዓባይ ሃገር ከም ኣርሒቕካ ዝሰንድኻያ ጀበና ከይትበታተን ናብ ዘስግእ ኩነታት ተበጺሑ ምህላዉ እዩ ኣጠንቂቚ።
ኣቢይ ኣሕመድ ካብ’ዚ ዝኸዶ ዘሎ ጎደና ተኣልዩ ፡ ምስተን ዕለታዊ ዝባዝሓ ዘለዋ ዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ናይ ምዝታይ ተግባራዊ ቅሩብነት ከርኢ ዝጸውዐ ጆሃር መሓመድ፡ ካብዚ ወጻኢ ክመጽእ ዝኽእል ነባሪ ፍታሕ ከምዘይህሉ ሓቢሩ ኔሩ።