ብሰንኪ”ቲ ንዝሓለፈ ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሓማስን እስራኤልን፡ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ትሕተ-ቅርጺ ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ዝገለጸሉ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነበርቲ ናይታ ኣብ ዝሓለፈ ከባቢ 15 ኣዋርሕ ምሉእ ብምሉእ ዓንያ ብፍርስራስ ተደብያ ትርከብ ጋዛ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክግዕዙ፡ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ከኣ ሰባኣዊ መሰል ኣክቢረን ከጽልሎኦም ሓቲቱ።
ብፍርስራስ ዝተደብየት ከተማ ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ እትጸሪ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝግበር ምግዓዝ ናይቶም ዜጋታት ግዝያዊ ወይ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ክኸውን ከምዝኽእል ዛኣመተ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ጋዛ ነዚ ጠለብ ብህጹጽ ተግባራዊ ክገብራ ከምዝግባእ”ዩ ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።
ይኩን እምበር እቲ ብመንገዲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝቀረበ እማመ ምግዓዝ ዜጋታት፡ ካብ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስን ሰብ መዚ ፍልስጤምን ተቐባልነት ከምዘይረከበ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ግብጽን ዮርዳኖስን ብወገነን ንእማመ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝተቓወማ”ዩ ዝንገር።
ዶናልድ ትራምፕ ዘቅረቦ እማመ፡ ናብ መንግስቲ ግብጺ ብወግዒ ቀሪቡ ዲዩ ኣይቀረበን ንጹር ከምዘይኮነ ዘረደአ እቲ ሓበሬታ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ “ፍልስጤማውያን ካብ መሬቶም ብግዝያዊነት ይኹን ብናይ ነዊሕ እዋን ዑቅባ ምግዓዝ ተቐባልነት የብሉን” ብምባል ናይ ተቓውሞ ግብረመልሲ ምሃቡ”ዩ ዝግለጽ።
ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ብወገኑ፡ “ነበርቲ ጋዛ ን15 ኣዋርሕ ሞትን ስቓይን ተጻዊሮም እናተሳቐዩ ኣብ መሬቶም ምጽንሖም ድሕሪ ምግላጹ፡ ሕጂ ብሰንኪ ዳግመ ህንጸት ካብ መሬቶም ክወጹ ቅቡል ኣይኮነን ክብል”ዩ ነጺግዎ ዝርከብ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መደሩኡ፡ ብሰንኪ ኲናት ትሕተ ቅርጺ ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ብምዕናዉ፡ ምስ ገለ ሃገራት ዓረብ ብምትሕብባር ሓደስቲ ኣባይቲ ንምህናጽ ኣብ መስርሕ ኣለና ዝበለ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እማመ እቲ ፕረስደንት ኣወንታዊ ግብረመልሲ ይረክብ ዘይምህላዉ”ዩ ዝእመን።
ን15 ኣዋርሕ ኣብ ዝቐጸለ ኲናት ጋዛ ልዕሊ 47 ሽሕን 200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ነበርታ ድማ ከምዝተመዛበሉን ዝግለጽ ኮይኑ፡ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ውን፡ ኣብ ከባቢ ጋዛ ዝርከቡ ህንጻታት፡ ኣባይትን፡ ካልእ ትሕተ-ቅርጽን ናይ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ዕንወት ብምውራዱ፡ ጋዛ ዳግማይ ንምህናጻ ዓሰርተታት ዓመታት ከምዝወስድ ምግላጹ ኣይርሳዕን።