
ህዝባዊ ሕቶ ንምሽፋን ወትሩ ኣብ ኲናትን ወረ ኲናትን ተሓቢኡ ክነብር ዝህቅን ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ሰለስተ መካይን ዝትመን ቁጽሪ ሰራዊት ካብ ኣባላት 36 ዙርያ ናብ ከባቢታት ዛላምበሳ ከምዘግዓዘ፡ ምንጭታት ኤሪፒኤም ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረዲኦም።
ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ተነጽሎ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ”ቲ ምስ ዶክተር ኣብይ ዝገበሮ ዘይቅዱስ ኪዳን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ህልቂት ንከተምርሕ መሪሕ ኲናት ኮይኑ ተሳቲፉ ከብቅዕ፡ ብዘይክብረት ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብውዕል ፕሪቶርያ ተሰጒጉ ኳ እንተጸንሐ፡ ሕጂ ውን እቲ ህዝቢ ዝልምኖ ዘሎ ሰላምን ዕብየትን ጸረ ስልጣኑ ምኳኑ ኣጸቢቁ ስለዝርዳእ፡ ንትግራይ ከም ድፋዕ ተጠቂሙ መወዳእታ ዘይብሉ መጋርያ ኲናት ኣብዚ ዞባ ንምውላዕ፡ ኣብ ጻዕሪ ምህላውን፡ እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃሳት ውን መቀጸልታ ናቱ ምኳኑ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ንዘሎ ፖለቲካዊ ምፍልላይ ከም ጽቡቅ ዕድል ተጠቂሙ፡ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ዘይተወደአ ጉዳይ ውዕል ፕሪቶርያ ኣፍሪሱ፡ ዳግማይ ህልቂት ንምእዋጅ ዝደክም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ውን ብተመሳሳሊ ምስ ዕጡቃት ፋኖ ምስጢራዊ ሽርክነት ብምፍጻም ንኢትዮጵያ ናብ ዘይምርግጋእ ከምእትኣቱ ብምግባር፡ ናይ ስጋኣት ፖለቲካ ፈጢሩ ዝሳለየሉን፡ ካብ ሕቶታት ህዝቢ ዝሃድመሉን ሓደገኛ ኩነታት ንምፍጣር ይሃልክ ምህላዉ ዝፍለጥ”ዩ።
ኣብ ትግራይ ይኮኑኒ”ዮም ዝበሎም መሻርክቲ ፈጢሩ ጥፋኣት ንምእዋጅ ዝሰርህ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ በቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ንኩናት ዝኮንን ስምዒታት ዕላሙኡ ከምቲ ዝሓስቦ ይኮነሉ ወላ ዳኣ ኣይሃሉ እምበር፡ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ወተሃደራት ምንቅስቃሳት ብምክያድን ድፋዓት ብምኩዓትን፡ ህዝቢ ክርብሽን ስጋኣታት ከሐይልን ምጽንሑ ዝፍለጥ”ዩ።
እንዳሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱን፡ ኣብ ህዝቢ ዝረአ ዘሎ ዓቅሊ ናይ ምጽንቃቅ ስምዒታትን ንምዕባጥ፡ ንኲናት ከም መፍትሒ ዝጥቀም ህግደፍ፡ ህዝብታት ንኲናት ብወግዒ ኣብ ምኩናን ስለዝርከቡ ግን፡ ዕላሙኡ ፍረ ይረክብ ከምዘየለ”ዩ ዝእመን።