
ብርጌድ ንሓመዱ ሽወደን ትማሊ ቀዳም 1 ለካቲት 2025 2ይ ጉባኤኡ ብውዕውዕ ኣገባብ ከምዘካየደ፡ ኣብቲ ጽንብል ዝተሳተፉ ኣባላት ኤሪፒኤም ገሊጾም።
2ይ ጉባኤ ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ሽወደን፡ መሪሕነት ሽወደን ብዘቅረቦ ጸብጻብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ብወግዒ ዝተከፍተ ኮይኑ፡ ንጸብጻብ ሓይሊ ዕማም ሽወደን ስዒቡ ክፍሊ ሓበሬታን ማዕከን ዜናን፡ ብርጌድ ንሓመዱ ጉሎባል ከሙኡ ውን ኣሰናዳኢት ኮሚተ በብመድረኮም ጸብጻባቶም ድሕሪ ምቅራቦም፡ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ መራሕቶም ዝመርጽሉ መድረኽ፡ ጸብጻብ ፋይናንስን ጸብጻብ ሓገዝ እስራኤልን ዝቀረበ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ዝተመርጹ ሓደስቲ መራሕቲ፡ ካብ ነባር መሪሕነት ድሕሪ ዘካየድዎ ስልጣን ናይ ምርክካብ መድረኽ፡ ብድሙቅ ናይ ምዝንጋዕ መደባት ከምዝተዛዘመ”ዩ ወኪል ኤሪፒኤም ዝገልጽ።
ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ሽወደን ዘካየዶ 2ይ ጉባኤ፡ ደቀንስትዮን ደቂተብዓትዮን ብማዕረ ዝተሳተፉሉ፡ ብክፉት ናይ ምብህሃል መድረኽ ዝተሰነየ ድሙቅ ጉባኤ ምንባሩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጥርናፈ መሰረት ዝገበረ ኣገባብ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ብዙሕ ተስፋ ዘስንቅ ምኳኑ”ዮም ተሳተፍቲ ኣባላት ዝገልጹ።