
ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ኢቮላ ሱዳን ዝተሰምየ ዓሌት ኢቦላ ዝኮነ ሓደገኛ ቫይረስ ከምዛኣተወ፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዘውጾኦ ወግዓዊ መግለጺ ብምጥቃስ ዜጋታት ጥንቃቀ ከዘውትሩ ኣተሓሳሲቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኡጋንዳ ነዚ ዝገለጸ ድሕሪ”ቲ ኣብ 29 ጥሪ 2025 ዘጋጠመ ሞት ሓደ ወዲተብዓታይ ኮይኑ፡ እቲ ሰዓል ብዝመስል ምልክታት ተጠቂዑ ኣብ ደረጃ ሞት ዝበጽሐ መንእሰይ፡ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ምጽንሑን ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ሙላጎ ሂወቱ ከምዝሰኣነን ብምግላጽ”ዩ ዜጋታት ክቱር ጥንቃቀ ከቀድሙ ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።
ብመሰረት መግለጺ ሰበመዚ ጥዕና ኡጋንዳ፡ ግዳይ ናይቲ ቫይረስ ኮይኑ ዝርከብ መንእሰይ፡ ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ሙላጎ ከም ነርስ ብምኳን ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝጸንሐ ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ”ቲ ዘጋጠመ ሞት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ዩጋንዳ ሓይሊ ዕማም ኣዳሊዩ ናብ ስራሕ ወፊሩ ምህላዉን፡ ምስቲ ቫይረስ ንዝርከቡ ዜጋታት ንምፍላይን፡ ኢቮላ ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታዉን፡ ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ንምውሳድ ናብ ስራሕ ከምዝወፈረ፡ ጸሓፊት ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ኡጋንዳ ዝኮነት ዲያና ኣትዊን ኣብ ናይ ትዊተር ሕሳባ ኣብ ዘስፈረቶ ሓበሬታ ገሊጻ።
ዛጊት ብዝተገብረ ዳህሳስ፡ 35 ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝርከብዎም 45 ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ምህላዎም ዝገልጽ እቲ ሚኒስትሪ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ 1 ሚሊዮን ዶላር ብምምዳብ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ካብ ዝርከብ ናይ ሓደጋ ግዜ ማእከል፡ ውልቃዊ መከላኸሊ መሳርሒታት ናብ ኡጋንዳ ንምግዓዝ፡ ኣብ ምድላው ምህላዉ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ምልክታት ቫይረስ ኢቮላ ሱዳን፡ ቃንዛ ርእሲ፡ ተምላስ፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን ከቢድ ምፍሳስ ደምን ምኳኑ ዝገለጸ ምኒስትሪ ጥዕና ዩጋንዳ፡ ዜጋታት ከምዚ ዓይነት ስምዒት ምስ ዝስምዖም ብህጹጽ ናብ ሕክምና ክቀርቡ ከምዘለዎም”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ከባቢ 25 ዓመታት ኣብ ኡጋንዳ ትሽዓተ ዓይነት ቫይረስ ኢቮላ ከምዝተከስተን 50% ናይ ምቅታል ዓቅሚ ከምዘለዎን ዝፍለጥ ሓደገኛ ቫይረስ ብምኳኑ፡ ነበርቲ ካምፓላን ከባቢኣን ዝኮንኩም ኤርትራውያን ውን ጥንቃቀ ከተዘውትሩ ነዘካኽር ።