
ቤትጽሕፈት መንግስቲ ፈደራልን፡ ውልቃዊ ሕሳብ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን፡”ለበዋ ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንልሂቃን ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝቀረበ ሓተታ፡ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ራዕዲን ስክፍታ ኲናትን ከምዝፈጠረ ካብ ትግራይ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ትማሊ ናብ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘሕለፎ መልእክቲ፡ ህዝቢ ትግራይ መበቆል ስልጣነ: ዋልታን መኸታን ሃገረ- ኢትዮጵያ ብምኳን፡ ኣብ ምፍጣርን ምዕቃብን ኢትዮጵያ፡ ረዚን ዘይበልን ብዘይሃስስ ቀለም ዝተጻሓፈን ድሙቕ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ውን ፈታዊ ሃገሩ፡ ፈታዊ ሰላም፡ ራህዋን ፈታዊ ስራሕን ምኳኑ ኩሉ ዝርድኦ ሓቂ ብምባል ንክብርታት ህዝቢ ትግራይ ብምድማቅ ኣብ ዝጀመረ መግለጺኡ፡ መጻኢ ትግራይ የተሓሳስቦ ምህላዉ ብዘረድእ ቃላት ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ከቀምጦ ምፍታኑ፡ እቲ ሓተታ ዘይወግዓዊ ኣዋጅ ንዘይተርፍ ረጽሚ”ዩ ዝብል ስምዒታት ብምፍጣሩ፡ ህዝቢ ዝያዳ ትማሊ ኣብ ሻቅሎት ካኣቱ ጌርዎ ምህላዉ”ዩ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣብ ዝሓለፉ ከባቢ ሚኢቲ ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምን ብዝተፈላለየ ምኸንያትን ብዘጋጠመ ቅርሕንቲ፡ መሬት ትግራይ ዓውዲ ኲናት፡ ህዝቢ ትግራይ ድማ መጋሪያ ኲናት ኮይኖም እዮም ዝበለ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ ኣብ ዝሓለፉ ሚኢቲ ዓመታት ዝተገብሩ ውግኣት፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝፈየዶ ማሕበራዊ: ፖለቲካዊ: ቁጠባውን ጸጥታውን መኽሰብ ኣሎ ዶ፡ እንታይ ከ ከሲሩ? ኢልካ ምሕታትን ኣገዳሲ”ዩ ብምባል፡ ሕጂ ዝፍጠር ረጽሚ ውን ኪንዮ ጥፋኣት ረብሓ ክህልዎ ከምዘይኮነ ኣብ ጽሕፉ ምእማቱ፡ ንህዝቢ ትግራይ ምትፍናን ክልቲኦም ሓይልታት ናብ ዘይምለሰሉ ደረጃ በጺሑ”ዩ ዝብል መረዳእታ ክወስድ ጌርዎ ብምህላዉ፡ ህዝቢ ናብ ከተማታት ኢትዮጵያ ክውሕዝ መናሰያት ከኣ ናብ ዘይተመደበ ስደት ክውሕዙ የገድድ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ፖከቲከኛታት ክልል ትግራይ ኣብ ዘሕለፎ መልእክቲ፡ ሊሂቃን ትግራይ ምስ መንግስቲ ፈዴራል ኰነ ካልኦት ሓይልታት ዘለኩም ፍልልያት፡ ብሕገ መንግስቲ ሃገርናን ብዴሞክራሲያዊ መንገድን፡ ብምርድዳእ ንምፍታሕ ድልዋት ክትኰኑ እላቦ ድሕሪ ምባሉ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኩሉ ጉዳያት ንምዝርራብን፡ ምፍልልያት ሓሳብ ድማ ከም ፍልልይ ሓሳብ ብምውሳድ፡ ንኩሉ ኣብ ዘሰማምዕ ሃገራዊ ጉዳያት ብስኒት ክንሰርሕ ዘኽእለና ኩነታት ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ህዝቢ ካብ ስግኣት: ኣዴታት ድቃስ ካብ ምስኣን: መናእሰይ ድማ ካብ ስደት ኣብ ምድሓን ክትሰርሑ ልዕሊ ኩሉ ግን ህዝቢ ናብ ልምዓቱን ሕውየቱን ክምለስ ሓቢርና ክንሰርሕ ደጊመ እላቦ ብምባል፡ ጻውዒት ዘቅረበ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እቲ ዝቀረበ ለበዋ ምስቲ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ዝነበረ ቃላትን ለበዋን ብምንጽጻር፡ ከቢድ ስክፍታ ምፍጣሩ”ዩ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ዘረድእ።