
ኤውሮፓዊት ሃገር ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቅባ ንዘይተፈቅደሎም ኣስታት 300 ዝቁጽሮም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምጥራዝ ዘውጸአቶ መደብ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባር ኣይረከበን ብምባል፡ ነቲ ብስም ልምዓታዊ ሓገዛትን ካልእን ንጉጅለ ህግደፍ ክትገብሮ ዝጸንሐት ሓገዛት ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ።
ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ ስዊዘርላንድ ካብ 2016 ጀሚራ፡ ኣስታት 7 ሚልዮን ስዊስ ፍራንክ ዝትመን ሓገዛት፡ ኣብ መደባት ሞያዊ ስልጠና ኤርትራ ኣውፊራ ንጉጅለ ህግደፍ ክትድግፍን፡ እቲ ጉጅለ ዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ንምምላስ ክትተሓባበርን ኣብ ምትብባዕ ምጽንሓ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ዝተገብረ ጻዕሪ ርኡይ ምዕባለ ክፈጥር ምጽጋሙን፡ ጉጅለ ህግደፍ ውን ምትሕብባር ከሪኢ ብዘይምካኣሉን፡ እታ ሃገር ነዚ ስጉምቲ ክትወስድ ምምራጻ”ዩ ዝግለጽ።
ዝምድና ስዊዘርላንድን ኤርትራን ኣብ ዝተመሓየሸ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ውን እንተኮነ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይካ”ቶም ብፍቃዶም ዝተመልሱ፡ ሕቶ ዑቅቦኦም ዝተነጽጉ ዜጋታት ምቅባል ምእባዩ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣስታት 7 ሽሕ ኤርትራውያን ብግዝያውነት ዝነብርዋ ስዊዘርላንድ፡ ሕቶ ዑቅባ ዘይተፈቅደሎም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኣብ ሞያዊ ስልጠናታት ንምውፋር፡ ንጉጅለ ህግደፍ ክትገብሮ ዝጸንሐት ልምዓታዊ ደገፋት ደው ከተብሎ ምውሳኑ”ዩ ዝንገር።
ንውሳነ ሃገረ ስዊዘርላንድ ብመንገዲ NationalEri interest ኣቢሉ ግብረመልሲ ክህብ ዝፈተነ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብቲ “ትህብ እንተ’ነይርካ እኳ ኢካ፡ “ኣቋሪጸዮ ኣለኩ” ትብል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘቀመጦ ናይ facebook መግለጺ፡ ዜጋታትና መጻወቲ ክኾኑ ኣይነፍቅድን ክብል ምድፋሩ ንብዙሓት ዘገረመ ኮይኑ፡ ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኮነ ሃገር ንዘለዉ ዜጋታቱ ብዝምልከት፡ ንጹር ፖሊስን መርገጽን እዩ ጸኒሕዎ፡ እዚ ድማ ብስዉርን ግሁድን ትካላት ኢመግረይሽን፡ ብጉልባብ ዝተፈላለየ መጠበሪ ካብ ሃገሮም ኣዉጺኻ፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ዶላር ንጉዕዞ ዞቒቕካ፡ ኣብተን “ገነት እየን” ዝተባህላ ሃገራት ከም’ዝኣትዉ ጌርካ ከተብቅዕ፡ ብምስምስ ናይ “ዕቑባ ወረቀትኩም ተነጺጉ” ኢልካ፡ ጥራሕ ዝባኖም ናብ ሃገሮም ክትጥርዞም ኢልካ ምሕሳብ፡ ፈጺሙ ተቀባልነት ዘይብሉ ብምባል፡ ካብ ስቃይን መከራን ህግደፍ ሃዲሙ ንዝተሰደ ኤርትራዊ፡ ተዓሽዩ ዝከደ ዩ ክብሎ ምፍታኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን ዘድምቅ”ዩ።
ኤርትራ ንስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ዘነቃንቅ መንእሰያዊ ሓይሊ ንከይህልዋ፡ መንእሰያት ሃገር ኣብ ግዱድ ባርነትን ገደብ ኣልቦ ዕስክርናን ከም ዝበልዩ ብምግባር፡ ኤርትራ ብዓለም ደረጃ ምንጪ ስደት ኤርትራውያን ክትከውን ህግደፍ፡ ባዕሉ ንዝሰጎጎም መንእሰያት፡ መጻወቲ ምዕራባዊ ጥበራ ዝኮኑ ግዳያት ዮም ክብሎም ምፍታኑ ጸረ ህዝብን ሃገርን ንዝኮነ ምልካዊ ምሕደሩኡ ዘጉልሕ”ዩ።