
ኣብ ከተማ ኦሮብሩ ናይ ሽወደን ብ4 ለካቲት 2025፡ ሪቻርድ ኣንደርሰን ዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት ሽወደናዊ መንእሰይ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ብዝፈጸሞ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣደ 4ቆልዑ ዝኮነት ኤርትራዊት ኣደ ሂወታ ከምዝሰኣነት ተገሊጹ።
ብመሰረት መግለጺ ፖሊስ ሽወደን፡ ሸውዓተ ደቀንስትዮን ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን፡ በቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሂወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ ፈጻሚ ገበን ዝኮነ ሽወደናዊ ሪቻርድ ኣንደርሰን ውን ነብሰቅትለት ብምፍጻሙ ቁጽሪ ምዉታን 11 ከምዝበጽሐ፡ መርበብ ሓበሬታ እታ ሃገር ንወግዓዊ መግለጺ ፖሊስ ሽወደን ጠቂሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ግዳይ እት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝኮና 7ተ ደቀንስትዮ፡ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት መንእሰይ ኤልሳ ተኽላይ ሓንቲ ምኳና ዝግለጽ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣባላት ፖሊስ ሽወደን ኣብ ቦታ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብህጹጽ እንተዘይርከቡ፡ እቲ ክወርድ ዝክእል ዝነበረ ሓደጋ ኣዚዩ ኣሰምባዲ ክኸውን ከምዝክእል ውን”ዩ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ዘነጽር።
ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝኮነት ኤርትራዊት ኤልሳ ተክላይ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንዝነብር ብዓል ቤታ ኣቶ ስምረት ተኪኤ ናብ ሽወደን ንምግዓዝ፡ ብዓል መዚ ኤምግረሽን ሽወደን ንዝጠልቦ ፋይናንሳዊ ኣታዊታት ንምምላእ፡ ማዕረ እቲ ደቃ ንምዕባይ እትኸፍሎ ዝነበረት መስዋእቲ፡ ምስ ክንክን ጥዕና ኣብ ዝተሓሓዙ ተመሳሰልቲ ስራሕ እናሰርሐት፡ ብኽልስ ሓሳብ ተማሂራ ተሓጋግዚት ሓኪም ኰይና እንዳሰርሐት፡ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ዝጸንሐት ጻዕረኛ ሰብ ምንባራ፡ ጋዜጣ ኤክስፕረስ ምስ ብዓል ቤታን መቅርባን ድሕሪ ዘካየደቶ ቃለ መሕተት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ይገልጽ።