
ጉጅለ ህግደፍ ንኣባላት ደምበ ፍትሒ ዝነበሩ ተወላወልትን፡ ውልቃዊ ረብሓ ዘቀደሙ መትከል ኣልቦ ዜጋታትን ከም መጋበርያ ተጠቂሙ፡ ብመንገዲ ፕሮጀክት ኣወል ስዒድ ክገብሮ ዝጸንሐ ናይ ዓዲ እተዉ ለመናን ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተን፡ ዝረብሕ ፍረ ክርከቦ ከምዘይተካእለ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረዲኦም።
ኣብ 35 ዓመታት ስልጣኑ፡ ኤርትራ ምንጪ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን ስደትን ህዝባ ክትከውን ዝፈረዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ካብ ግዳም እንዳሓየለ ናብ ጎረባብቲ ኤርትራ ዝኮና ሃገራት ዝልሕም ዘሎ ህዝባዊ እምቢታ ንምክዋል፡ ውልቃዊ ረብሓ ንዘቀድሙ በለጸኛታት ዜጋታት ተጠቒሙ፡ ኤርትራ ተቓዋማይ ዝነበረ ከይተረፈ ከም ድላዩ ዝረግጻ ሃገር”ያ ንምባል ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዘሎ ናይ ቃልሲ ስምዒታት ንምሕንኳሉ ብዙሕ ክሃልክ ምጽንሑ ዝገለጹ እቶም ተቓለስቲ፡ ይኹን እምበር እቲ ብመንገዲ ኣወል ስዒድ ዝምራሕን ዜጋታት ኣብ ምድንጋርን ዝወፈረ ናይ ሓሶት ፕሮጀክትን፡ ከምቲ ዝድለ ፍረ ከምዘይረከበን፡ ቁጽሪ ናብ ሃገር ዝበጽሕ ዜጋ ውን ወሰኽ ከሪኢ ከምዘይከኣለን”ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ስደት ዝነበረ ኩሉ ውዳበታቱን ናይ ፕሮፖጋንዳ መሓውራቱን፡ በቲ ካብ ቅድሚ 3 ዓመታት ኣትሒዙ ብዝነደረ መንእሰይ ዝተወልደ ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ድሕሪ ምስዓሩ፡ ኣብ ስደት ንዝሰኣኖ ደገፍን ሓይልን ብመንገዲ ቶም ምሕረት ተጌርልኩም ተባሂሎም ዓዲ ዛኣተዉ ተበለጽቲ ዜጋታት ኣቢሉ ንክመልሶ፡ ኣብ ከቢድ ጻዕሪ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ይኹን እምበር እቲ ብሓሶት ክስራሕ ዝጸንሐ ድራማታት፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ደጋፊ እቲ ጉጅለ ዝነበረ ስነጥበባዊ ኢሰያስ ደበሳይ ዝወረደ ናይ ጭውያ ተግባራት ብምፍራሱ፡ ህዝቢ ሃገር ምእታው ዝያዳ ካልእ እዋን ኣስጊእዎ ንዕድመ እቲ ጉጅለ ከምዝተሓሰሞ”ዮም ዘረዱኡ።
ንዝሓለፈ 10ታት ዓመታት፡ ብስም ሃገራውነት ምስ ጉጅለ ህግደፍ ተጸጊዑ ዝጸንሐን፡ መሳርሒ እቲ ጉጅለ ዝነበረን ስነጥበባዊ ኢሰያስ ደበሳይ፡ ናብ ዓዲ ኣትዩ ብሰብ ፍሉይ ረብሓ ተከሲሱ፡ ፓስፖርቱ ተመንጢሉ ብኣባላት ጸጥታ ከምዝተጨውየን፡ ካብ ዝተሓስበሉ ናይ ጥፋኣት ውዲት ውን ብፍጥነት ንፋስ ንከምልጥ ካብታ ብነፋሪት ዛኣተዋ ሃገር ብእግሩ ከምዘምለጠን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ። ንውጹእ ሓሶታት እቲ ጉጅለ ምሉእ ብምሉእ ከምዘዕነወ ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ብዘይካ ስነጥበባዊ ኢሰያስ ደበሳይ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዓዲ ኣትዮም ዝተጨውዩ ዜጋታት ከምዘለዉ ውን ክግለጽ ምስ ምጽንሑ፡ እቲ ውዲታዊ ፕሮጀክት ፍረ ክረክብ ከምዘይከኣለ”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ንኲናት ሓሶትን ምትላልን ከም ዕላማ ተጠቂሙ፡ ህዝቢ ኣደናጊርካ ስልጣንካ ምንዋሕ ኣብ ዝብል ጥፍሽና ክነብር ዝመርጽ ዝወደቀ ጉጅለ ምኳኑ ዝጠቀሱ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንዝዓቢ ዘሎ ተቃውሞን ጸቅጢ ማሕበረሰብ ዓለምን ንምክዋል፡ ተሳኢሎም ብዝምለሱ ተበለጽቲ ዜጋታት ኣቢሉ፡ ፖለቲካዊ መክሰብ ንምርካብ ሃቂኑ ክኸዶ ዝጸንሐ ናይ ምትላል ወፍሪ፡ ዝያዳ ምጥርጣር ብምፍጣር ዜጋታት ጥንቃቀ ክመርጹ ገዲድዎም ምህላዉ”ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝጠቅሱ።