
ዩልያ ማሊቮንስኪ ዝተባህለት ኣባል ባይቶ እስራኤል ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ እስራኤል ንክጠረዙ ዝሓትት እማመ ብ51 ድምጺ ደገፍ፡ ብዘይዝኮነ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ከምዝሓለፈ ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ኣስፊራቶ ኣላ።
ንሳ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ጠንቂ ዕግርግርን ዘይምርግጋእ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ተልኣቪቭ ሙዃኖም ብዓይና ከምዝተዓዘበትን ከብቅዕ ከምዘለዎን ብትሪ ጸዊዓ። ንሳ ብተወሳኺ፡ እዞም ኣብ እስራኤል ፖለቲካዊ ዑቁባ እንዳሓተቱ፡ ነቲ ስግኣት ይፈኣጥረልና እዩ ዝብልዎ መንግስቲ ክድግፍኡ ኣይካኣልን እዩ፡ ስለዚ ነዚኦም ደገፍቲ ናብ ዓድኦም ክንጥርዞም ኣላና ብሃሊት እያ።
ብመሰረት እዚ ሓሊፉ ዘሎ ውሳኔ፡ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን እስራኤል፡ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ሓተቲ ዕቁባ፡ ብሕጋዊ መስራሕ ድሕሪ ምሕላፍ፡ ናብ ዓዶም ንኽመልሶም ከኽእሎ እዩ። እዚ ድማ ቀዳማይ ምዕራፍ ጸጥታን ውሕስነትን ናይ እስራኤል ንምሕላው ናይ ንገብሮ ጻዕሪ እዩ ኢላ።
ከም ዝዝከር ኣብ 2023 ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ብጉዳይ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ዝተራእየ ግጭት ኤርትራውያን ዝጸወዖ ፍሉይ ኣኼባ ሚኒስተራት ኣብ ዝተቓንዓሉ፣ “ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓት ዝድግፉ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ክድግፍዎ ኪሕሾም’ዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ ብዙሓት ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኢውሮጳን፡ ኣመሪካን፡ካናዳን ዘይሕጋዊ ዑቅባ ተዋሂብዎም ዝነብሩ ዘለዉ፡ ናብታ ጽቡቅ ኣላ ዝብልዋ ሃገሮም ኣብ ምጥራዝ ደለይቲ ፍትሒ ቀደምነት ሂቦም ክሰርሕሉ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ክቀርብ ጸኒሑ እዩ።