
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር ክልተ ምክትል ፕረስደንት ዝርከብዎም ሓያለ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ካብ ዝመዝነቶም ከምዘሰናበቶም ተገሊጹ።
ካብቶም ብፕረዚደንት ሳልቫኬር ዝተሰናበቱ ሰበስልጣናት መንግስቲ ሓደ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ገዲም ወተሃደራዊ ጀነራልን ፖለቲከኛን ጄምስ ዋኒ ኢጋ ኮይኑ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብቲ መዝነት ዝጸንሐን፡ ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ ፕረዚደንት ሳልቫኬር ዝመርሖ ሰልፊ ኮይኑ ክዓይ ድሕሪ ምጽናሕ”ዩ ካብ ስልጣኑ ተሰማቢቱ ዝርከብ።
ብዘይካ”ዚ ንቦታ ፕረዚደንት ሳልቫኬር ተኪኡ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገርን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ዶ/ር በንጃሚን ቦል መል ውን ግዳይ ናይቲ ምድስካል ዝኮነ ካልእ በዓል ስልጣን ኮይኑ፡ በንጃሚን መል፡ ነቲ ዕድመ እናደፍአ ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንት ሳልቫኬር ብብቅዓት ክትክእ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ፖለቲከኛ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
እቲ ካልኣይ ካብ መዝነቱ ወሪዱ ዘሎ ምክትል ፕረዚደንትን፡ ኣባል ምሕዝነት ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝኾነ በዓልስልጣን ሑሴን ዓብደልባጊ ኣኮል ውን ካብ መዝነቱ ዝተባረረ ካልእ በዓል ስልጣን ኮይኑ፡ ስልጣን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ተረኪባ ንዘላ ጆሰፊን ጆሰፍ ላጉ ብምትካእ፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ሕርሻ ክኸውን ሓድሽ መዝነት ተዋሂቡ ይርከብ።
ደቡብ ሱዳን፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ዓመተ 2018 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ 5 ስልጣን ምክትል ፕረዚደንት ዘለዎም ሰበስልጣናት ዘለዉዋ ኮይና፡ ንቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኪር ማቻር፡ ከም ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣፍልጦ ከምእትህቦ”ዩ መንግስታዊ ሕጊ እታ ሃገር ዘነጽር።
ብካልእ ወገን፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝተመዘዘ ሓላፊ ክፍሊ ስለያ እታ ሃገር ዝኮነ ኣከክ ቶን ዝተባህለ በዓል ስልጣን ውን ትማሊ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ዝተባረረ ኮይኑ፡ ብዘይካ ዞም ዝተጠቅሱ ካሎኦት ብርክት ዝበሉ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣናትን፡ ሓለፍቲ ትካላትን ውን፡ በቲ መራሒ ተሰናቢቶም ምህላዎም”ዩ ጸብጻባት እታ ሃገር ዘረድእ።