
ካብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዙ፡ ንርእሰከተማ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሩ ንምእታው ኣብ ጫፍ ዓወት በጺሑ ምህላዉ ዝንገረሉን፡ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕን ሰራዊት ሱዳን፡ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት ኣብ ውሳነ ከምዝበጽሐን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ውን ነቲ ዝቐውም ሓድሽ መንግስቲ ክድግፍ ከምዝግባእ ምሕጽንታ ኣብ ዝሓወሰ መግለጺኡ ኣነጺሩ።
ኣዛዚ ሰራዊት ሱፋን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፖለቲከኛታት ተረኪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ሃገሩ ንርእሰከተማ ካርቱም ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ሓድሽ መንግስታዊ መዋቅር ንምምስራት ውጥን ከምዘለዎ ዘነጸረ ኮይኑ፡ እቲ ዝምስረት መንግስቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዓቢ ደገፍ ክህልዎ ትጽቢት ከምዘለዎ ውን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ሰራዊት ቅልጡፍ ድገፍ ዝኮነ ይኩን ዘተን ልዝብን ክህሉ ከምዘይኮነ ዘነጸረ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ከም መሰጋገሪ መንግስቲ ከገልግል ዝሕሰብ ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ ቅድሚ ምቛሙ ውን ሓድሽ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ክጸድቕ ከምዝኮነ”ዩ ዘረድእ።
“ዝቀውም ዘሎ ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ፡ ሞግዚት ወይ ውን መንግስቲ ኣብ እዋን ኲናት ክንብሎ ንኽእል ኢና ዝበለ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ሱዳን ካብ ዕጡቓት ተቓወምቲ ናጻ ንምግባራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ተራ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቢ ግደ ክህልዎ ምኳኑ ውን”ዩ ኣብ’ቲ ናይ ቀዳም መደሩኡ ኣንፊቱ ዝርከብ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን፡ “ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ነቲ ብመንግስቲ ቀሪቡ ዘሎ ውጥናት ከም ሓደ ሰላምን ምርግጋእን ዘስፍን፡ ንመሰጋገሪ ዕማማት ዝፍጽም ሃገራዊ ስምምዕ ክድግፍዎ”ዩ ጸዊዑ ዝርከብ።