
ኣብ ሆላንድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ 4 ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓደን፡ መጀመርያ ወርሒ ክልተን ዝተዋህቦም ፍርዶም ወዲኦም ከምዝተፈሑ መራሕቲ ብርጌድ ንሓመዱ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ካብ ዝሓለፈ ዓመት 2024 ክሳብ ሕጂ 13 ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ዝተዋህቦም ፍርዲ ወዲኦም ነጻ ከምዝተባህሉን ናይቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ መስርሕ ከምዘሎን’ውን ተሓቢሩ።
ኣብ ለካቲት 2024 ብዘጋጠመ ዕግርግር ብርክት ዝበሉ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ሆላንድ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ሆላንድ ንኣባላቱ ንሕጋዊ መዳይን ካልእን ዘድልዮም ሓገዝ ንኽረክቡ ምእንቲ ኣብ ከቢድ ስራሕ ተጸሚዱ ከምዝጸንሐን፡ ሕጂ’ውን ብዙሕ ብድሆታት ከምዝጽበዮን ሓቢሩ።
ነዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ፡ ኣባላቱ ኩሉ ዘደሊ ወጻኢታት ናይ ጠበቃ፡ ካልእን ንምሽፋን ከም ቀዳማይ ዕማም ሰሪዑ ይሰርሓሉ ክም ዘሎ’ውን መሪሕነት ብርጌድ ንሓመዱ ሆላንድ ሓቢሩ። ንሶም ብተወሳኺ ኣብዚ ገጢምዎም ዘሎ በዳሂ ናይ ቃልሲ መድረኽ፡ ደገፍ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣገዳሲ ሙዃኑ ብምጥቃስ፡ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ፍትሒ ኣብ ፋይናንሳዊ መዳይ ይኹን ካልእ እጃሙ ከበርከት ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም ኣለዉ።