
ኢንግሊዝ ብመንገዲ ‘ሆም ኦፊስ’ ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቅባን፡ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ዜግነት ናይ ምርካብ መሰል ከምዘይብሎምን’ዩ ምእዋጃ ዝፍለጥ ።
ይኩን እምበር እቲ ብመንግስቲ ዝወጽአ ሕጊ፡ ካብ ቤት ምኽሪ ስደተኛታትን፡ ገለ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገርን ከቢድ ተቓውሞ ይገጥሞ ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ዝዀነት ስቴላ ክረሲ ሓንቲ ካብቶም ነቲ ሕጊ ዝተቓወሙ ዜጋታት ኮይና “እዚ ብመንግስቲ ወጽዩ ዘሎ ኣዋጅ፡ ስደተኛታት ካልኣይ ዜጋ ኰይኖም ንኽነብሩን፡ ሰባኣዊ ኣገልግሎታት ንከይረክቡን ዘገድድ ዓመጽ’ዩ” ብምባል ተቓውሞኣ ኣስሚዓ ኣላ።
እቲ ብሰኑይ ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ ሕጊ “ዝዀነ ሰብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ምስ ዝኣቱ፡ ዝኣተወሉ ግዜ ብዘየገድስ፡ ካብ 10 ለካቲት 2025 ካብ ዘሎ ግዜ ንዜግነት ምስ ዘመልክት ሕቶኡ ንጹግ ይኸውን” ክብል ገሊጹ፡።
እቲ ካልእ ኣብቲ ሕጊ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥቢ ከኣ “ቅድሚ ሕጂ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይ ቪዛ ዝኣተወ፡ ብባሕሪ ዝኣተወን ብዘይ ዝኮነ መስርሕ ኢመግሬሽን፡ ብሓደገኛ መንገዲ ናብ ኢንግሊዝ እግሩ ዘንበረን ኩሉ፡ ድሕሪ 10 ለካቲት ዝቀርብ ሕቶ ስደተኛን ሕቶ ዜግነትን ብቐጥታ ንጹግ ይኸውን” ዝብል ኮይኑ፡ “እቲ ሓደገኛ መንገዲ ዝብሃል ዘሎ ብጃልባ፡ ብመኪናን ብኻልእ ዘይሕጋዊ ኣገባብን ኣቢሉ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ኩሉ ዘጠቃለለ’ዩ።