
ኣብ ኲናትን ወረ ኲናትን ተሓቢኡ ክነብር ዝመርጽን፡ ብምስምስ ምዕቃብ ስልጣን ንናይ ኲናት ሃዋህዉን ዘይምርግጋእን ከም ስትራተጂ ዝክተል ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ኣሻቃሊ ዝመስል ናይ ክተት ኣዋጅ ኣውጺኡ፡ ህዝቢ ናይ ተቃውሞ ስምዒታት ንከየማዕብል ኣብ ወተሃደራዊ መሓዩር ጅሆ ንምሓዙን፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ዝወስድ ጥፋኣት ንምእዋጅን ይንቀሳቀስ ምህላዉ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት እቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ እዚ ሎሚ ህግደፍ ኣውጅዎ ዘሎ ናይ ክተት ጻውዒት፡ ኩሉ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድሚኡ ዜጋ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ክጽመድ፡ ዝተፋነዉ ጥዩሳትን ተመላለስትን ናብ ኣሃዱታቶም ክምለሱ፡ ሰብ ሓዳርን ዝወለዳን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ኣሃዱታተን ክርከባ፡ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ካብ ሃገር ከይወጹን ካልእን ዝብል ሕጋጋት ዘማለአ ኮይኑ፡ እዚ ኣዋጅ ንህዝቢ ዝያዳ ሻቅሎት ክስምዖ ብምግባር፡ ደቁ ናብ ስደት ከፋኑ ይቅስቦ ምህላዉ”ዮም ምንጭታትና ዘረዱኡ።
ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት፡ ህዝብንታት ኢትዮጵያን ኤርትራ ክልተ ህዝቢ”ዮም ኢሉ ዝሓስብ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ”ዩ፡ ንስካ ኢካ ትመርሓና፡ ዓሰብ እንተደለካ ውን ሂበካ ኣለኩ እንዳበለ፡ ዕድልን መጻእን ህዝቢ ኤርትራ ብውልቃዊ ስምዒታቱ ጓዕጺጹ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዶክየር ኣብይ ክዋገየሉ ዝተሰምዐ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ሎሚ ድሕሪ”ቲ ኩሉ ኣብ ትግራይ ዝተከፍለ ዘይተደልየ ክሳራ ዜጋታትን ቁጠባዊ ዕንወትን፡ ኢትዮጵያ ክትወረና ደልያ ብምባል፡ ህዝብን ሃገርን ኣብ ናይ ክተት ኣዋጅ ጸሚዱ ሕቶ ሕዝቢ ኤርትራ ክዓብጥ ይቃለስ ምህላው ተገሊጹ።
ንዝረአ ዘሎ ምዕባለ ህዝባዊ ተቃውሞታት ክኾልፍ ዝደክም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ፡ከም ኩሉ ግዜ ኣብ ኩናት ትሓቢኡ ኣቓልቦ ንኽጥምዝዝ ይሸባሸም ከም ዘሎ ዘሪኢ’ዩ።