
ዶክተር ተሾመ ሙላቱ: “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭትን ህልቂትን ከይፍጠር ስጉምቲ ዝውሰደሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ትማሊ (17 ለካቲት) ናብ ትካል ዜና ኣልጀዚራ ሰፊሕ ዓንቀጽ ጽሒፉ።
ካብ 2013 ክሳብ 2018 ፕረዝደንት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶር ሙላቱ ተሾመ: “ፕረዝደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ግጭት ንምውላዕ ይሰርሕ ከምዘሎን” ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንልዕሊ ፍርቂ ዘበን ዝተራእየ ግጭታት ኤርትራ ብዝተፈላለየ ደረጃ ንጥፍቲ ተዋሳኢት ከምዝኾነት እውን ገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ ካብ 1993 ንቡር ምሕደራ: ዲሞክራስያዊ ትካላትን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ከምዘየለን ኩሉ ብሓደ ሰብ ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝተባሕተ ምዃኑ እውን ኣፍሊጡ
።
ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ኣስዒቡ: ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ተቓውሞ ንዘልዕሉ ወገናት ኣብ ምሕጋዝን ምዕጣቕን ዝልለየሉ ቀንዲ ተንኮል ከምዝኾነ ኣቃሊዑ።
ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዐመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርአ ፖለቲካዊ ፍልልያት መዝሚዙ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ንኸይፍጥር ክሰርሕ ከምዝጸንሐን ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ እውን ወቂሱ።
ንሱ ቀጺሉ: ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህውከት እንተተወሊዑ ድማ ንብዙሕ ከባቢ ኣሉታዊ ጽልዋን ሳዕቤንን ስለዘለዎ ቅልጡፍን ዕቱብን ስጉምቲ ክውሰደሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ኣብ ኩናት 2020 ትግራይ ንኤርትራ ኣስታት $20 ሚልዮን ዶላር ከምእትእውዳ ሓቢሩ።
ዶ/ር ኣቢዪ እዚ ዝተጠቅሰ ገንዘብ: ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት ትገራይ ንግዚኡ ክተጥቀሙሉ ዝተዋህቦን ካብ መጥቃዕቲ ሰራዊት ትግራይ ሃዲሙ ናብ መሬት ኤርትራ ናይ ዝኣተወ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጽዋር ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ክልል ትግራይን ሰልፊ ብልጽግናን በቲ ሓደ: ጉጅለ ህግደፍን ሰልፊ ብልጽግናን ድማ በቲ ካልእ ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ቁርቁስ ስልጣን ብዘሎ ምትፍናን ሓድሕድ ምውንጃልን ናብ ዘየድሊ ኲናትን ረጽምን ከይዓርግ ዓቢ ስግኣት ኣሎ።