
U.S. Secretary of State Marco Rubio meets with Saudi Foreign Minister Prince Faisal bin Farhan Al Saud, Saudi National Security Advisor Mosaad bin Mohammad Al-Aiban, U.S. National Security Advisor Mike Waltz, U.S. Middle East envoy Steve Witkoff, Russian Foreign Minister Sergei Lavrov and Russian President Vladimir Putin's foreign policy advisor Yuri Ushakov, at Diriyah Palace, in Riyadh, Saudi Arabia, February 18, 2025. REUTERS/Evelyn Hockstein/Pool
ሰበ”ስልጣን መንግስታት ኣሜሪካን ሩስያን ድሕሪ 3ተ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ኣብ ሱዕዲ ምዝታዮምን፡ ኲናት ዩክሬን ብሰለማዊ መንገዲ ደው ዝብለሉ ኩነታት ንምፍጣር ከምዝመኸሩን ተገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ክልተኣዊ ዘተ፡ ክልቲኤን ሃገራት ብመንገዲ ላዕለዋይ ሉኡኸን ኣቢለን ኣብ ዘተ ምስታፈን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ዝምራሕ ሉኡኽ ጉጅለ ኣሜሪካ፡ ምስቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭን ኣማኻሪ ፕረስደንት ፑቲን ዩሪ ኡሻኮቭ ዝምራሕ ተወካሊ ሩስያ ዝኾነ ሉኡኽ ጉጅለ፡ ኣብቲ ዘተ ምስታፎም”ዩ ዝግለጽ።
ዘተ ክልቲኤን ሃገራት ብቀንዱ፡ ነቲ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ግዙፍ ዕንወት ከውርድ ዝጸንሐ ግጭት ሩስያን ዩክሬይንን ኣርእስቲ ጌሩ ዝዘተየን፡ እቲ ግጭት ብሰለማዊ መንገዲ ደው ዝብለሉ ኣማራጺ ንምፍጣር ዝዓለመን ምኳኑ እኳ እንተተገልጸ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ደስኪሉ ዝጸንሐ ቀጥታዊ ርክብ ኣመሪካን ሩስያን ምምላሱ ውን፡ ኣብ ቁጠባን ፖለቲካን ዓለም እወታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝክእል”ዩ ዝንገር።
ኣብ መደምደምታ ናይቲ ዘተ ክልቲኤን ሃገራት ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢለን፡ ግጭት ዩክሬን ደው ንክብል ዝሰርሕ ሓባራዊ ጉጅለ ሰበስልጣን ንኸቁማ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብዘይካ”ዚ ውን ቁጠባዊ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት ንኽመሓየሽ፡ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ”ዩ ዝንገር።
ብርክት ዝበለ ዞባታት ዩክሬን ብሰራዊት ሩስያ ዝሕደግ ዘሎ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድየመር ዘለንስኪ፡ ዘተ ኣመሪካን ሩስያን ንሃገሩ ዩክሬን ዘይዓደመ ዘተ ብምኳኑ፡ ንውጽኢት ርክብ ሪያድ ከም ዘይቅበሎ ኣቐዲሙ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ዩክሬን ብሩስያ ዝተወረ መሬታ ክምለሰላ ኣይኮነን ዝብል መግለጺ ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ውን፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ቁጥዐ ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ዘተ ሩስያን ኣመሪካን ዘይተዓደመ ኤውሮጳዊ ሕብረት’ውን ብወገኑ፡ ትማሊ ብሰኑይ 17 ለካቲት 2025 ብ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ዝተጸውዐ ህጹጽ ርክብ ምክያዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንዘተ ክልቲኤን ሃገራት ከምዘቅበል ብምርግጋጽ ንዩክሬን ብከመይ ንሓግዛ ኣብ ዝብል ዛዕባ ዘተኰረ ዘተ ከምዘካየደ ይፍለጥ።