
ብኣባላትን መሪሕነትን ምንቅስቃስ ብርጌድ ንሓመዱ ተመሪሑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ናይ ቃልሲ ጉጅለ ዕዉት ስራሕ ኣብ ምስራሕ ምህላዉ ካብ ኢትዮጵያ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮፓን ኣሜሪካን ተዋጺኡ፡ ባይታዊ ቃልሲ ንምክያድ ኣብ ዘኽእል ጉዳያት ንምስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ጉጅለ ኣባላትን መሪሕነትን ምንቅስቃስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተካየደ ህዝባዊ ሰሚናር፡ ናብ ትካል ግብረሰናይ መቀዶንያ ብምብጻሕ፡ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ንሰብ ሰባኣዊ ክብረትን መሰረት ዝገበረ ምኳኑ ድሕር ምርግጋጹ፡ ናብ ከተማ ሰመራ ናይ ክልል ዓፋር በጺሑ ውን ምስ ተቓለስትን ደገፍቲ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ዝኮኑ ኣካላት ዕዉት ዘተ ከምዘካየደ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናይ ሰመራ ጉዕዞ ውን ኣብ ትግራይ ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ምስላጥ ምህላዉ”ዩ ሓበሬታና ዘረድእ።
ብኣባላትን ኣባላት መሪሕነትን ተመሪሑ ካብ ከተማ መቐለ ክሳብ ወሰናስን ዶባት ኤርትራ ኣብ ዝዝርጋሕ ከባቢታት ኣብ ምንቅስቃስ ዝርከብ ጉጅለ ምንቅስቃስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ክልል ትግራይ ብምርኻብ ውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓተ ውልቀ ምሕደራ ዘብቅዓሉን፡ ትግራይ ውን ካብቲ በቲ ጉጅለ ዝገጥማ ሓደጋታት እትድሕነሉን ጉዳያት ኣልዒሉ ምዝታዩ እዩ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
እቲ ኣብ ዑደት ዝርከብ ጉጅለ፡ ብዘይካ”ቲ ምስ መራሕትን ኣመሓደርትን ትግራይ ዝገበሮ ርክባት፡ ካብ ውልቀመላኪ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም ናብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዛኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ንዝወርድ ዘሎ ናይ ጭውያ ተግባራትን፡ ኣብቲ ናይ ጭውያ ተግባራት ተዘርጊሑ ንዘሎ መርበባትን ኣመልኪቱ ምዝታዩን፡ ትግራይ ዳግማይ ሲናይ ከይትከውን ዝተወሃሃደ ቃልሲ ንምክያድ ውን ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ”ዩ እቲ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።