
ሚኒስተር ዜና ጉጅለ ህግደፍ ዝኮነ የማነ ቻርሊ፡ ነቲ ብመንገዲ ዶክተር ምላቱ ተሾመ ዝተዋህበ ክሲ ኣመልኪቱ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ንቃላት እቲ በዓል ስልጣን ናይ ሓሶት መጠንቀቅታ”ዩ ብምባል ኤርትራ ከምዘይትቅበሎ ገሊጹ።
ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ የማነ ቻርሊ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ብመንገዲ ተሸመ ሙላቱ ዝቐረበ ክስታት ደረቀኛ ክሲ”ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ንናይ ኲናት ድሌት ኢትዮጵያ ንምኽዋል ዝዓለመ”ዩ ክብል ዝነጸጎ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ነቲ እትምነዮ ዘላ ግጭት ቀዲማ ንጉጅለ ህግደፍ ሓላፍነት ተሰክሞ ምህላዋ”ዩ ኣብ ግብረመልሱ ዝከስስ።
ካብ 2013 ክሳብ 2018 ፕረዝደንት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶር ሙላቱ ተሾመ: “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭትን ህልቂትን ከይፍጠር ስጉምቲ ዝውሰደሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ብሰኑይ (17 ለካቲት) ናብ ትካል ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዘቅረቦ ሰፊሕ ዓንቀጽ፡
“ፕረዝደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ግጭት ንምውላዕ ይሰርሕ ከምዘሎን” ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ልፍንቲ ንምፍጣርን፡ ምስ ዕጡቅ ጉጅለ ፋኖ ብምትሕብባርን ናብ ግጭት ክምልሰ ዝህቅን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንቃላት እቲ በዓል ስልጣን ነበር ጸለመ”ዩ ክብል”ዩ ገሊጹዎ ዝርከብ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንልዕሊ ፍርቂ ዘበን ኣብ ዝተራእየ ግጭታት፡ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ደረጃ ንጥፍቲ ተዋሳኢት ምንባራ ዝጠቀሰ እቲ በዓል ስልጣን ነበር፡ ኣብ ኤርትራ ካብ 1993 ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንቡር ምሕደራ: ዲሞክራስያዊ ትካላትን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ከምዘየለን ኩሉ ብሓደ ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝተባሕተ ምዃኑን ምጥቃሱ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኣዚዩ ከምዘቆጠዐ”ዩ፡ ኣብ ግብረመልሲ ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ ዝሰፈሩ ቃላት ዝምስክሮ ኮይኑ ይርከብ።