
ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ሆላንድ፡ ቃልሲ ንምሕያልዳ ዝወደቦ ህዝባዊ ሰሚናር፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ሆላንድን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኣንቶርፐን ብድሙቅ ኣገባብ ከምዝተኻየደ፡ ወኪል ዜና ሳተላይት ተለቭዥን ኤሪፒኤም ካብ’ቲ ቦታ ኣብ ዝለኣኸልና ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ብቁጽሪ ብርክት ዝበሉ ተቃለስቲ ዝተረኽብሉ ህዝባዊ ሰሚናር፡ ወከልቲ ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ሆላንድን ተዓዲሞም ዝሞጹ ተቃለስትን ብዘቅረብዎ መደረታት ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ምስ ህዝቢ ክፉት ናይ ሕቶን መልስን መድረኻት ምክያዱ ዝገለጸ ወኪል ኤሪፒኤም፡ ብዘይካ መድረኻት ምብብሃል ውን በሃር ስነጥበበኛ የውሃንስ ትካቦ ወዲ ትካቦ ዝርከቦም ተቃለስቲ ብዘቅረብዎ ስነጥበባዊ ምሪኢት ደሚቁ ከምዝወዓለ”ዮም ዝገልጹ።
ብርጌድ ንሓመዱ ሆላንድ ዘካይዶ ህዝባዊ ሰሚናር፡ ንህልዉ ምዕባለታት ቃልሲ ኣንጻር ውልቀመላኺ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ተራ ውዳበታት፡ ኣንፈት መጻኢ ቃልስን ካልእን ዝብሉ ኣርእስታት ኣልዒሉ፡ ዕዉትን ቃልስና ኣብ ምሕጻር ዝሕግዝን ዕዉት ሰሚናር ምክያዱ ዝገለጸ ወኪልና ፡ብርክት ብዝበለ ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፎ መድረኽ ምንባሩ ውን፡ ዝያዳ ድምቀት ከምዝነበሮ”ዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።