
ሓድሽ መራሒ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮለድመር ዘለንስኪ፡ “ብሂወት ሚሊዮናት ዜጋታት ቁማር ይጻወት ኣሎ” ክብል ምክሳሱ፡ኣዛራቢ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ።
ትማሊ ዓርቢ 28 ለካቲት፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮለድመር ዘለንስኪ ናብ ዋሽንግተን ኣቅኒዑ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምርካቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተካየደ ዘተ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ሰበስልጣናት መንግስቱን፡ ንፕረዚደንት ዩክሬን ቮለድመር ዘለንስኪ ብዘገርም መልክዕ ክግስጹን፡ ንቃላቱ ከቋርጹን ምራኣዮም ኣዛራቢ ኮይኑ ይርከብ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምስ ሩስያ ኣቲዩዎ ዝርለብ ኲናት ደው ዝብለሉ ሰዓት ሕጂ”ዩ ዝብል መርገጺ ዘለዎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ዘተ ንመዘኑኡ መራሒ ዩክሬን ቮለድመር ዘለንስኪ፡ ንምውሳን ኣብ ዘክእል ቁመና የለኻን ክብሎ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ኲናት ዩክሬን ድጋፍ ፕረስደንት ባይደንን 350 ቢሊዮን ገንዘባዊ ሓገዝ ኣመሪካን እንተዘይሕወሶ፡ ኣብ ክልተ ሳምንታት መብቅዐ ምባሉ፡ ንሃገራት ምዕራብ ኣቆጢዑ፡ ባኣንጻሩ ኣብ ሩስያ ዓቢ ሓጎስ ከምዝፈጠረ”ዩ ዝንገር።
ብዘይካ’ዚ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ስምዒት ዝሓወሰ ናይ ትማሊ ርክብ ምስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ “ብሂወት ሚሊዮናት ቁማር ትጻወት ኣለኻ፡ ብሳልሳይ ኲናት ዓለም ትጻወት ኣለካ፡ ኣመስጋኒ ውን ኣይኮንካን፡ ንኣመሪካ ኣየኽበርካን” ክብሎ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ዩክሬን ኣማራጺ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ስለትርከብ ስምምዕ ክፈጥር እንተዘይኪኢሉ፡ ትራምፕ ነቲ ዘተ ረጊጹ ክወጽእ ምኳኑ ከጠንቅቆ ምስምዑ”ዩ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ዝርከብ።
ዘለንስኪ፡ ድሕሪ”ቲ ዝተካየደ ኣዛራቢ ዘተ ኣቐዲሙ ካብ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ ክወጽእ ዝተራእየ ኮይኑ፡ እቲ ዝተካየደ ርክብ ፍረ ስለዘይተረኽቦ ውን፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ክልቲኦም መራሕቲ ከምዝተሰረዘ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ”ቲ ርክብ፡ ኣብ ውልቃዊ መርበብ ሓበሬቱኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ዘለንስኪ ንሰላም ቅርቡ ዘይምህላዉን፡ ንሰላም ኣብ ዝተቀረበሉ ግዜ ደጊሙ ናብ ዋይት ሃውስ ክምለስ ከምዝክእልን ገሊጹ።