
ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብሓሙስ 27 ለካቲት 2025 ናብ ርእሰ ከተማ መቓዲሾ ናይ ሶማል ዘቅንዐ፡ ብቀዳማይ ሚንስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝተመርሐ ላዕለዎይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንመጥቃዕቲ ኣልሸባብ ስዒቡ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ናብ ሃገሩ ከም ዝተመልሰ ኣገልግሎት ድምጺ ኣመሪካ VOA ጸብጺቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ድሕሪ”ቲ ሃገሩ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ሶማሊላንድ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ሶማል ኣብ ምትፍናን ምእታዋ፡ ንሽምግልና መንግስቲ ቱርኺ ስዒቡ ላዕለዋይ ሉኡኽ መንግስቱ ኣኸቲሉ ንፈለማ እዋን ናብ ሶማል ዝበጽሐ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ዝተካየደ ምብጻሕ፡ ካብ ህዝቢ ሶማልን ዕጡቅ ጉጅለ ኣልሸባብን ተቃውሞታት ድሕሪ ምኽታሉ፡ ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ሃገሩ ከምዝተመልሰ”ዩ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ዘነጽር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ መቃድሾ ኣብ ዝኣትወሉ ሰዓታት፡ ካብ ዕጡቅ ጉጅለ ኣልሸባብ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብርክት ዝበለ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ቦምባታት ከምዝተከስተ ዝጠቀሰ VOA፡ ይኩን እምበር በቲ ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ዝበጽሐ ሓደጋ ዘይምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ብዘይካ”ቲ ብዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ህዝቢ ሶማል ውን ንዑደት ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝኩንን ናይ ተቓውሞ ድምጺ ከምዘስምዐ ዘረጋግጽ ናይ ቪድዮ ሓበሬታ ምዝርግሑ ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ህዝቢ ሶማል ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሶማሊላንድ ብዝኸተሞ ውዕል ዝተሰምዖ ቑጠዐ ኣብ ምግላጽ ከምዝወዓለ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ንዑደት ቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ” እቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ናብ ሞቓድሾ ሶማልያ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ዝምድና ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ንምሕያል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ንዝህሉ ምትሕብባርን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ዓቢይ ግደብ ትርጕምን ክህልዎ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዘላቒ ሰላም ኣብዚ ዞባ ንምርግጋጽ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ምኳኑ ዘረድእ።
ንኸባቢ ሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበረ ርክብ ንፋስ ዝኣተዎን ቍሩብ ዝሻሕከረን እዩ ነይሩ ዝበለ ሚኒስተር ጊደዎን ጢመጢዎስ፡ ተከፊቱ ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ፡ ንሓድሽ ናይ ምትሕብባርን ሕውነትን ምዕራፍ ዘበስር”ዩ ክብል”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።