
ብዕድመ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቆንስል ሰባኣዊ መሰላት ሕብራት ሃገራት ተረኺቡ፡ ሲቪል ማሕበረሰብ ብምውካል ቃሉ ዘስምዐ ምሁር ስነሃይማኖት የውሃንስ ገብርሂወት ምስ ብጾቱ ብምኳን ዕዉት ስራሕ ከምዝፈጸመ ብመንገዲ ውልቃዊ ሕሳቡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መረዳእታ ገሊጹ።
ኣብቲ ብ27ለካቲት 2025 ዝተካየደ ዋዕላ፡ ንህልዉ ኩነታትና ክገልጽን ኣብቲ ዝለዓለ መድረኽ ወጽየ ንኹሎም ናይ ሃይማኖት ይኹኑ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ኣብ መሓዩር ዝርለቡ ጋዜጠኛታት ኣፍ ክኾኖም ዕድል ምርካበይ፡ ንኣምላኽ የመስግን ዝበለ መንእሰይ የውሃንስ ገብርሂወት፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ዓመጻዊ ምሕደራን፡ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላትን ኣመልኪቱ ገላጺ መረዳእታ ከምዘቅረበ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ኤርትራ ለዉጢ ተርኢ ከም ዘላ ንዝሃቦ መግለጺ፡ ንዘሎ ኩነታት ብዘረድእ መንገዲ ከብርህ ከምዝተገደደ ዝገለጸ መንእሰይ የውሃንስ፡ ሓሳባቶም ንምቅራብ ኣብ ቀዳማይ እብረ ነፍሲ ወከፎም 5 ደቂቅ፡ ኣብ ምዝዛም ከኣ 3ደቃይቅ ከምዝተዋህቡ ድሕሪ ምግላጹ፡ ካሎኦት ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰል ዝኾኑ ሃገራት ውን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘለወን መረዳእታ ንምቅማጥ ናይ ሓደ ደቂቅን 30 ካኢኢትን ግዜ ከምዝረኸባ”ዩ ዝረድእ።
ኣብ መደምደምታ፡ ንኹለን ሃይማኖት ወኪለ ድምጺ ንከስምዕ ዕድል ምርካበይ የመስገን ዝበለ መንእሰይ የውሃንስ፡ እቲ ዝተረክበ ኣጋጣሚ ከም ኣፍደገ ንቐጻሊ ዓወት ዝረአ ብምኳኑ፡ ኪንዮ ተሳትፎ ዝከይድ ድርብ ዓወታት ምንባሩ ኣረዲኡ።