
ጉጅለ ህግደፍ ምስ ግብጺ ብምኳን፡ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘይዳወባ ሃገራት ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ከይህልወን ዝብል ስምምዓት ከምዝከተመ ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጸን።
ወጻኢ ጉዳያት ጉጅለ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ካይሮ ተረኺቡ፡ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባድር ዓብደላትን ድሕሪ ዝገበሮ ክልተኣዊ ርክብ፡ እቲ ስምምዕ ከምዝተከተመ ዝገለጻ ማዕከናት ዜና ግብጺ፡ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ግብጺ መሓመድ ኣል ሸናዊ፡ ምስ ህግደፍ ንዝተገብረ ርክብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው፣ ከምኡ’ውን፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንዝህሉ ምሕደራን ጸጥታን ንምምሕያሽ ዘተኰረ ምንባሩ ኣብሪሁ ዝርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ ምስ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝኮነ ይኩን ዶባዊ ዝምድና ዘይብለን ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ክህልወን የብሉን ኣብ ዝብል ነጥቢ ምስ ግብጺ ስምምዕ ከምዝከተመ ዝገለጻ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ንጉዳይ ሱዳን፡ ዞባ ሳሕልን ቀይሕ ባሕሪን ሓዊሱ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት’ውን ብዙሕ ዘተን ሓባራዊ ስምምዓትን ከምዘካየዱ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ ግጭት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ንንየው ጥራሕ፡ ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ብርክት ዝበለ ርክባት ምስ ግብጺ ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝወገነ ደገፍ ከም ዘለዋ ብሰፊሑ እትግለጽ ግብጺ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ 2023 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝጸውዓቶ ዋዕላ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ውን፡ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዓዲማቶ ምንባራ ኣይርሳዕን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ ህዝባዊ ተሓታትነት ንምህዳም ንኲናት ከም መፍትሒ ዝጥምት ጉጅለ ህግደፍ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ግዴቱኡ ክዋጻእ ይግባእ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ነቲ ዝህንደደሉ ዘሎ ናይ ጥፋኣት ዕላማ፡ ብድሌት ኢትዮጵያ ተገዲደ ዛኣተክዎ”ዩ ንምባል ዘክእሎ ባይታዊ ሓቅነት ዘይብሉ መግለጺ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ብመንገዲ ሓተታ ኣቢሉ ምዝርግሑ፡ ንብዙሓት ዘገረመ ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ መግለጺኡ፡ ሎሚ ንቀይሕ ባሕሪ ከቢቡዎ ዝርከብ ቅልጽምካ ናይ ምርኣይ ሓፍ-ሓፍን ብኡ መጠን ዝንህር ዘሎ ወጥርታትን፡ ንዞባዊ ርግኣት ሓደገኛ ስግኣት ፈጢሩሉ ይርከብ ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ማሕበረሰብ ዓለም መትከላዊ መርገጺ ወሲዱ፡ ነቲ ነዊሕ ዝታሪኹ ፍሽለት ክእርም ዝጅምረሉ ግዜ ሕጂ ምኳኑን፡ በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ኣብ ክንዲ ሓቅነትን ጭብጥን ዘይብሉ መግለጺታት ምውጻእ፡ ወይ’ውን“ንክልቲኡ ወገን” ማዕረ ዝርኢ ቀልዓለማዊ መርገጺ ምሓዝ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቶም ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕሱ ዘለዉ፡ ነቶም ስግኣታት ዘጐሃህሩ ዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ካልኦት ሃገራት ስግኣት ዝፈጥሩ ዘለዉ ወገናት፡ ብዝሓየለን ብዘየወላውልን መገዲ ክኹንኖም ይግባእ ክብል ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ንሓይልታት ፋኖ ብምድጋፍ ንመሬታዊ ሓድነትን ግዛኣትን ኢትዮጵያ ደፊሩ፡ ስልጣን ኣራትኪሎ ንምውዳቅ ዝቃለስ ዘሎ ጉጅለ፡ ይድፈር ኣለኩ ክብል ምድፋሩ ጥራሕ ንባዕሉ፡ ንናይ ጥፋኣት ፖሊስታት ህግደፍ ዘነጽር ግዙፍ ሓቂ”ዩ።