
ህግደፍ ምሕረት ጌረልኩም ብምባል ካብ ስደት ናብ ሃገር ብዘእትዎም ዘሎ ተወላወልቲ ዜጋታት ኣቢሉ፡ ከም ዝሰዓረን ከምዝተዓወተን ኮይኑ ክረአ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ቃለመሕተት ድካማት፡ ንጥፍሽና እቲ ጉጅለ ዝያዳ ዘጉልሕ ስእሊ ምኳኑ፡ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ገሊጾም።
ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝነብር ህዝቢ ምሒር ተጸይኑ፡ ኣብ ናይ ስጋኣት ሃዋሁ ኣትዩ ንህዝቢ ኤርትራ ክስልዮ ከምዝሓድር ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ብስም ሓደ ልብን ካልእን ኣመክንዩ ኣብ ዲያስፖራ ዝገብሮ ዝነበረ ዕብዳን ምጥፉኡን፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ጽልዋ ውን ብሕንከት ምሳኣኑን በቲ ሓደ ገጽ፡ ዝዓቢ ዘሎ ህዝባዊ ውዳበታት ብርጌድ ንሓመዱን፡ ህዝባዊ ማዕበል እምቢታን ከኣ በቲ ካልእ ገጽ ንዝፈጠረሉ ጸቅጢ፡ ካብ ስደት ናብ ሃገር ብዘእትዎም ዘሎ ምስሉያን ዜጋታት ኣቢሉ ክሽፍኖን፡ ኣብ ህዝቢ ከኣ ናይ ይዕወት ኣለኩ ስምዒታት ክፈጥርን ይሃልክ ምህላዉ፡ ንጥፍሽና እቲ ጉጅለ ዝያዳ ከምዘነጽር”ዮም ምንጭታትና ዘረዱኡ።
ህዝቢ ኤርትራ በቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝዓቢ ዘሎ ናይ ቃልሲ ስምዒታት ብርጌድ ንሓመዱ፡ ዝያዳ ፍናን ተሰሚዕዎ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ህግደፍ ወሪድዎ ንዘሎ ኩሉ ዓይነት ስዕረት፡ መትከል ብዘይብሎምን፡ ከም ነፋሒቶ ሕብሮም እንዳቀየሩ ብዝነብሩን ተወላወልቲ ኣቢሉ ህዝባዊ ውግንና ክረክብ ይቃለስ ምህላዉ፡ ንውድቀት እቲ ጉጅለ ካብዚ ዝዓቢ ስእሊ ዘይምህላዉ”ዮም ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ዘረዱኡ።