
ኣብ ሓሙሻይ ዙር ምልውዋጥ እሱራት እስራኤልን ሓማስን፡ ሓማስ ጅሆ ሒዝዎም ንዝጸንሐ 3ተ እስራኤላውያን ዜጋታት ድሕሪ ምልቃቁ፡ እስራኤል ውን ነዚ ተከቲላ 183 ፍልስጤማውያን እሱራት ከምዝፈትሐት ኣፍሊጣ።
እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እስራኤል ዝጸንሑ ፍሊስጤማውያን እሱራት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ዝርከባ ሓያለ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዋጺኦም ዝተፈትሑ ምኳኖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ መቀጸልታ ናይቲ ንምቁራጽ ተጻቦኦ ጋዛ ስዒቡ ዝካየድ ዘሎ 5ግዜ ዙር ምልውዋጥ እሱራት ምኳኑ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ካብቶም ብእስራኤል ዝተፈትሑ ፍልስጤማውያን እሱራ፡ 7 እሱራት ህጹጽ ረዲኤት ንምርካብ ናብ ሆስፒታላት ከምዝኣተዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት ዝተገብረ ክሊቲኣዊ ስምምዓት ምቁራጽ ተጻቦኦ፡ ዛጊት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ልዕሊ 383 እሱራት ፍሊስጤምን እስራኤልን ነጻ ከምዝተባህሉ”ዩ ዝንገር።
ካብ ዜናታት እስራኤል ከይወጸና፡ ኣሜሪካ ኣስታት 7.4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ንእስራኤል ክትሸጠላ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ከምዘጽደቆ ፕረስደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።
እቲ መሸጣ ዘቅርቡ ትካላት፡ 6.75 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ዘቕርብ ኩባንያ ቦይንግ፡ 660 ሚሊዮን ዶላር ከኣ ኩባንያ መፍረ ኣጽዋር ሎክሂድ ምኳኖም ዝሓበረ ሮይተርስ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኮንግረስ ሃገሩ ከይፈለጠን ከየጽደቐን፡ ሚሳይላትን ተተኮስቲ ቦምባታትን ናብ እስራኤል ክሽየጥ ምጽዳቑ፡ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራትስ ከቢድ ቁጥዐ ምፍጣሩ”ዩ ወሲኹ ዘረድእ።