
ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብድምጺ ኣባላቱ ንሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ናይቲ ሕብረት ጌሩ ከምዝመረጸ ኣፍሊጡ።
ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘቃንዖ ስነ ስርዓት ሽመት፡ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ማዳጋስካር ነበር ሪቻርድ ራንድሪማንድራቶ፡ ከምኡ’ውን ንነዊሕ እዋን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኬንያ ዝዀነ ራይላ ኦዲንጋ ሕጹያት ኰይኖም ቀሪቦም ምንባሮም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ካብ ዝተመደበ 8ተ ናይ ድምጺ መድረካት ንቀዳሞት ክልተ ዙር ክመርሕ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ሻድሻይ ዙር 22 ድምጺ ብምርካብ ካብቲ ውድድር ምእላዩ፡ ከሙኡ ውን ሪቻርድ ራንድሪማንድራቶ ኣብ ሳልሳይ ዙር ክእለ ምግዳዱን፡ ዩሱፍ ብጠቕላላ 33 ድምጺ ብምርካብ ዑዉት ናይቲ ኮምሽን ኮይኑ ከምዝወጸ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ሚኒስተር ቍጠባን ፋይናንስን ጅቡቲ ኢልያስ ዳዋለህ ንዓወት ዩሱብ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ቃል፡ ዩሱፍ “ተዓዊቱ” ሓጎሱ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ ነዊሕ ዓመታት ክጸንሑ ዝኽእሉ ዉሑዳት’ዮም ዩሱፍ ከኣ ሓደ ካብኣቶም’ዩ ብምባል፡ ንዝግቦኦ መድረክ ከምዝበቅዕ ብምግላጽ ኣድናቆቱ ገሊጹ።
ዑዉት ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን በቂዑ ዝርከብ መሓመድ ዩሱፍ፡ ካብ 2005 ጀሚሩ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ብምኳን ክሰርሕ ዝጸንሐን: ኣብ ዝተመደበሉ ቦታ ንጅቡቲ ዓቢ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር ዝጸንሐን በዓል ስልጣን ኮይኑ፡ ከም ኣምባሳደር ጅቡቲ ብምኳን ኣብ ግብጺ ዝሰርሐን፡ ኣብ ትሕቲ 3መራሕቲ ጅቡቲ ውን ከም ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዘገልገለን ብምኳኑ፡ ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲያውን ዓቅምታቱ ኣብ ግምት ብምእታውን ናብ ዓወት ከምዝበቅዐ”ዩ ዝንገር።
ቋንቋታት ሶማል፡ ኢንግሊዝ፡ ፈረንሳን ዓረብን ናይ ምዝራብ ዓቅሚ ዘለዎ ማሕሙድ ዩሱፍ፡ ነቲ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሳ ፋቒ ማሃማት ብምትካእ፡ ንዝቅጽል 4 ዓመታት ንኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ክመርሕ”ዩ።
ብመሰረት ሕጋጋት እቲ ኮምሽን፡ መራሒ ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ከሙኡ ውን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ብድምጺ መራሕቲ ስልጣን ዝሰጋገር ኮይኑ፡ ፡ ሓደ መራሒ ክልተ ግዜ ጥራሕ ንምርጫ ከምዝቐርብ”ዩ ዝግለጽ።