
መንግስቲ ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክገብሮ ዝጸንሐ ግዱድ ናይ ምጥራዝ መስርሕ ብዝሓየለ መዳይ ይቅጽሎ ምህላዉ፡ ተሓለቕቲ ሰባኣዊ መሰላት ዝኮኑ ትካላት ከሲሶም።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ‘ሁማን ራይተስ ኮንሰርን ኤርትራ’ ዝተሰምየ ዘይመንግስታዊ ትካል ሰባኣዊ መሰል፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ግብጺ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ማእሰርትን ምንክልባትን ክኾኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብግዱድ መንገዲ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ይግበር ምህላዉ”ዩ ከሲሱ ዝርከብ።
ብዙሓት ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ዝኮነ ዓይነት ናይ ውሕስነት መሰል ከምዘይብሎምን፡ ካብ ማእሰርት ክሳብ ግዱድ ምስጓግ ዝከይድ በደላት ሰባኣዊ መሰል ይወርዶም ምህላዎምን ዝጠቀሰ እቲ ትካል፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጥራሕ ልዕሊ 150 ዝቁጽሮም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሱ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ዘሕዝን ሰበ-ስልጣን ግብጺ ብሕቡእ ምስ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ብምትሕብባር፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ዘኽእል ናይ መገሻ ሰነድ የዳልዉ ምህላዎም ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ግብጺ ኣብ 1951 ንዝጸንዐ ውዕል ጀነቫ፡ ንኹነታት ስደተኛታት ዝምልከት ናይ 1967 ውዕል ፕሮቶኮል፡ ናይ 1969 ኣፍሪቃዊ ውዕል ስደተኛታት፡ ንሰብኣውን ህዝባውን መሰላትን ኣፍሪቃዊ ቻርተር ሓዊስካ፡ ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ሃገሮም ንኸይምለሱ ዝኽልክል ወሰንቲ ኣህጉራውን ዞባውን ሕጋዊ ውዕላት ፈሪማ ዝተቀበለት ሃገር ክነሳ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ትገብሮ ዘላ ሰባኣዊ በደላት፡ ኣብ ትሕቲ ዝኮነ ይኩን ኩነታት ቅቡልነት ዘይብሉ ምኳኑ”ዩ ዘረድእ።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕላት ተቀይዳ ክትከይድ ክታማ ዘንበረት ግብጺ፡ ንኩሉ ዓለምለካዊ ሕግታት ብምጥሓስን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምትሕብባርን፡ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሲራ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ተረክብ ምህላዋ ዝጠቀሰ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ በዚ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ኣብ ትሕቲ ዑቅባ UNHCR ዝተመዝገቡ ውልቀሰባት ከይተረፉ፡ ናይ ምእሳርን ምስጓግን ሓደጋ ወሪድዎም፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቆም ብምህላዎም፡ ግብጺ እትፍጽሞ ዘላ ኸቢድ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብህጹጽ ዓገብ ክበሃል ከምዝግባእ”ዩ ዝጠቅስ።
ሚካኤል መዓሾ ዝተባህለ ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ ግብጺ ተመዝጊቡ ክነብር ዝጸንሐ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽንሑ፡ብሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ተወሲዱ ብግዴታ ናብ ኤርትራ ክስጎግ ወረቐት ክፍርም ከምዝተገብረ ዝጠቀሰ እቲ ጸብጻብ፡ ብዘይካ”ታ ወዲ 6 ዓመት ህጻን ገዲፋ ዝተሰጎት ኤርትራዊት ኣደ፡ ወዲ 24 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ተመስገን መሓሪ ውን ኣብ ቤትማሕቡስ ግብጺ ሂወቱ ከምዝሓለፈን፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብ 16 ለካቲት 2025 ንስድራቤት መርድእ ምንጋሮምን ከምዘረጋገጸ”ዩ ዝገልጽ።
ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝከፈአ ሓደጋ ምህላዉ ዝጠቀሰ
እቲ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰብመዚ ግብጺ ካብ ትካላት ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክቀርበሎም ንዝጸንሐ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ዕሽሽ ብምባል በደላት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት የውርዱ ምህላዎም ብምክሳስ፡ ሃለዋት ስደተኛታት ንምውሓስ ኩሉ ዓይነት ምርብራባት ክግበር”ዩ ጻውዒት ዘቅርብ።