
ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ዕጥቃዊ ግጭት መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ፋኖን፡ ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣትሒዙ እናበኣሰ ይመጽእ ከም ዘሎ ነበርቲ እታ ክልል ይገልጹ።
ሓይልታት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣትሒዙ ወፍሪ ኣንድነት ዝተሰምየ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፈደራል ክፍጽም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ንሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን እውን ኣብ ንሓድሕዶም ከቢድ መጕዳእቲ ከም ዘውረደሎምን ኩነታት እታ ክልል ውን ናብ ኣሰካፊ ደረጃ ክወርድ ጌሩ ምህላዉን”ዩ ዝንገር።
ግጭት ፋኖን መንግስቲ ፈደራልን፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝፍቀዳ ኣዋርሕ ፍልልይ ዝተወለዐ ግጭት ኮይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ከምዘህለቀን ገና ውን ይቅጽል ምህላዉ ዝገለጹ እቶም ነበርቲ፡ ብሰንኪ እቲ ደማዊ ግጭት ህዝቢ እታ ክልል ኣብ መሪር ስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ወዲቁ ምህላዉ”ዩ ዘረዱኡ።
ብሰንኪ”እቲ ግጭት ዘስዓቦ ዘይምርግጋእ፡ ኣብቲ ክልል ብዘይ ፍርዲ ዝፍጸም ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ መጥቃዕቲ፡ ብዘይ ፍቓድ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ምምዝባል፡ ዕንወትን ራስያ ንብረትን ይፍጸም ምህላዉ፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክሕብሩ ምጽንሖም እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረክበ ሓበሬታ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ቀረባ እዋን፡ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ግጭት ካብ ዝወረዶ ዕንወት ንምሕዋይ ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ምፍላጡ ይዝከር”ዩ።
ኣብ ምፍላም እቲ ግጭት ኣትሒዙ ጸንዑ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ድንጋገ እቲ ክልል ወላ”ኳ ኣብ ዓስራይ ወርሑ እንተተላዕለ፡ እቲ ኩነታት መዕለቢ ስለዘይረኸበ ግን፡ እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ብሕጊ ዘይተናውሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን (De facto State of Emergency) ከም ዝርከብ”ዮም ክኢላታት ዝሕብሩ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይመረጸ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቅልውላው ብዙሕ ነገራት ዝሓዘን ዝተሓላለኸን ከም ዝዀነ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብቲ ክልል ዕለታውን ማሕበራውን ንጥፈታት ተደሪቱ፡ ኣገልግሎት ትምህርትን ሕክምናን ብስሩዕ ካብ ምክያድ ቦኺሩ፡ ሕብረተሰብ እታ ክልል ውን ብፍርሒ ተሸቝሪሩ ክነብር ተገዲዱ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ናይቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ምስ ሕርሲ ብዝተኣሳሰር 148 ኣዴታት ህይወተን ከም ዝሰኣናን 70 ሰባት ውን ብሕማም ዓሶ ከም ዝሞቱን ኣፍሊጡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።