
ካብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዙ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝጸንሐ ኣቶ ጌታቸው ብምትካእ፡ ከም ግዚያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ብምኳን ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ንሕገመንግስታዊ ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ ተግባራት ብወገን ክልል ኣምሓራ ይረአ ምህላዉ ገሊጹ።
እቲ ብቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ግዚያዊ ምምሕዳር፡ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራን ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኣምሓራን፡ ኣብ ናይ ትማሊ ረቡዕ 16 ሚያዝያ 2025 ዜናዊ መደባቶም፡ ገና ወግዓዊ ውሳነ መንግስቲ ፈደራል ንዘይተዋህቦ ከባቢታት ሑመራ፡ ከም ኣካል ክልል ኣምሓራ ጌሮም ብምቅራብ፡ ሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ ንስምምዕ ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ ዝጻረር ዜና ምቅራቦም ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ዝረአ ዘሎ ሕጊ ዝጠሓሰ ዜናዊ መደባት ሓደገኛ መልክዕ ክህልዎ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መግለጺኡ “እዚ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣቃሊልካ ዝረአ ዘይምኳኑ” ዝገለጸ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ብወገን ክልል ኣምሓራ ኮነ ተባሂሉ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝጥሕስን፡ ንግዛኣታዊ መሬት ክልል ትግራይ ከም ኣካል ክልል ኣምሓራ ዘረድእን ተደጋጋሚ ዜናዊ ሸፈነታት ይረአ ምህላዉ ብምግላጽ”ዩ፡ ብህጹጽ ንኽእረም ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።
“ዝረአ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር፡ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር፡ ብዓቢኡ ከኣ ንውዕል ፕሪቶርያ ብቀጥታ ይጥሕስ ብምህላዉ ተቐባልነት የብሉን” ዝበለ መግለጺ ክልል ትግራይ “ብህጹጽ ክእረም ኣለዎ” ብምባል ንኽእረም ኣተሓሳሲቡ።
“ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራን፡ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኣምሓራን፡ ንሓባራዊ ምትእስሳር ህዝብታት ክልቲኡ ክልላት ዘዳኽም ዘይሓላፍነታዊ ጸብጻብ ዜና ክእርሙን፡ ብቐጥታ ካልእ ግጭት ካብ ምዕዳም ክቁጠቡን ዘጠንቀቐ መግለጺ ክልል ትግራይ፡ መንግስቲ ፌደራል ውን ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ኣብ ልዕሊ ዝፍጽሙ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድን ንጽውዕ ክብል”ዩ ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ዘተሓሳስብ።