ልዕሊ 30ዓመታት ኣብ ትሕቲ ናይ ኲናት ሃዋሁ ተሓቢኡ፡ ብደም ዜጋታት ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕ ዝርከብ ኣረሜናዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ትግራይ ክገብሮ ዝጸንሐ ናይ ሽርሒ ምንቅስቃሳት፡ ብቤት ጽሕፈት ዓዲሃሎ ስውርቲ ናይ ሽርሒ ጉጅለ ኣቊሙ፡ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ሓደገኛ ናይ ሽርሒ ርክባት ይገብር ምህላዉ ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝለኣኩልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ቅድሚ ከባቢ ክልተ ዓመታት ብዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብውርደት ተሰጒጉ ናብ ዓዲ ሃሎ ተመሊሱ ዝርከብን፡ ድሕሪ”ዚ ኩሉ ህልቂት ውን “ተኾሊፍና” ብምባል ገና ናይ ኲናት ሸውሃቱ ከምዘየርወየ ዝገለጸን፡ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀመላኪ ኢሰያስ፡ ሕጂ ውን ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረስደንት ኣባል ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ብዝኮነ እስቲፋኖስ ዝተባህለ ሰብ እትምራሕ ናይ ሽርሒ ጉጅለ መዚዙ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ንዝርከባ ከባቢታትን ወረዳታትን ትግራይ ምስ ዘመሓድሩ ሰበስልጣናት፡ ስውሩን ጽዑቅን ርክባት ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ምህላዉ ከምዝተቃለዐን፡ ንዝገብሮ ዘሎ ናይ ተንኮል ርክባት ውን ህዝባውን ሰላማውን ርክብ ንምምሳሉ ይሃልክ ከምዘሎን”ዩ፡ እቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ህላዉኡ ኣብ ኲናትን ጥፋኣትን ዘረጋግጽ፡ ንሰላምን ዕብየትን ኣብሊጹ ዝጽየን ኣረሜናዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ እዚ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲን ኣመሓደርትን ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ተንኮል ርክባት፡ ንሰላምን ቅሳነትን ክልቲኦም ህዝብታት ሓልዩን ተሓሊቁን ዘይኮነ፡ ናብ ኲናት ንዝደፋኣ ዘሎ ኢትዮጵያ ሓይሊ ትግራይ የሕዲጉ፡ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውጋድ ኣብ ዝሓስቦ ዘሎ ደማዊ ኲናት፡ ንሓይልታት ትግራይ ውን ከም ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራ ኣብ ጎኑ ብምስላፍ፡ ልዕልና ሒዙ ንምውጻእ ዝዓለመ ጥራይ ኮይኑ፡ ንኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል ፖለቲካውያን መራሕቲ፡ ከም ዓቢ ዕድል ተጠቂሙ፡ እቲ ምክፍፋል ከምዝዓቢ ብምግባር ካብ ፒለቲካ ትግራይ ንኲናት ዘገልግሎ መክሰብ ንምርካብ ኣብ ቃልሲ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
ፖለቲካ ትግራይን ኢትዮጵያን ናብ ርጋኣት እንተተመሊሱ፡ ናብቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝቀጸለ ሃዋሁ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ተመሊሱ፡ ኣብ ናይ ደውታ ፖለቲካ ክሽመም ምኳኑ ኣጸቢቁ ዝተረደአ ጉጅለ ህግደፍ
“ኣብ ኲናት ትግራይ ላዕለዋይ ኢድ ሒዘ ብምውጸአይ ንዝረከብክዎ ህዝባዊ ደገፍ ተጠቂመ፡ ኣብይ ካብ ስልጣን ንምውጋድ ሕጂ ናብ ኲናት ክምለስ ኣለኒ” ብምባል፡ መንእሰያት ኤርትራ ከጽንት ኣብ ሓደገኛ ወፍሪ ተሸሚሙ ይሃልክ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ ብሸነክ ትግራይ ዝርከብ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ እንኮ ንኲናት ዝምችእ ናይ ውግእ ዞባ ብምኳኑ፡ ቅድሚ ናብ ኲናት ምእታዉ ወተሃደራዊ ሓይሊ ትግራይ ንኢትዮጵያ የሕዲጉ፡ ከምቲ ኣብ 2020 ዝገበሮ ናይ ልፍንቲ ጥምር ጦር ብምቋም፡ ኣብይ ካብ ስልጣን ዝውገደሉ ደማዊ ኲናት ንምውላዕ ብዝከኣሎ ጻዕሪ ይሸባሸብ ምህላዉ”ዮም ምንጭታትና ኣብ ሓበሬቶኦም ዘጠንቅቁ።
ኣረሜናዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ደላዪ ሰላምን ፍቅርን ኮይኑ ከምዘይፈልጥ ዝሓበሩ ምንጭታት ኤሪፒኤም፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ብዝተካእለ መጠን ደቁ ካብ’ዚ ዝሕሰብ ዘሎ ህልቂት ምንድሓን ክጓየ፡ ከሙኡ ውን ህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ናብ’ቲ ገና ዘይሓወየ በሰላ ኲናት እንከይምለስ፡ ምስ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ዝኮነ ይኹን ናይ ሽርሒ ርክባት ክኩንኖን ክቃለሶን ከምዝግባእ የተሓሳስቡ።