ብመንገዲ ኣፈኚኡ ኳደረ ኣወል ስዒድ ኣቢሉ ህዝቢ ንምርሳንን፡ ናይ ጥፋኣት ወኒ ንምቅስቃስን ነጋሪት ኲናት ዝነፍሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ መቀጸልታ ናይቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ሰፊሕ ናይ ኲናት ምድላዋት፡ ሕጂ ውን ሰራዊት ኣብ ፉሉይ ሰሚናራትን ባህላዊ መደባትን ከምዝጽመድ ብምግባር፡ ሃገር ናብ ዘይተርፍ ኲናት ተገዲዳ ታኣቱ ምህላዋ ከእምን ኣብ ሓደገኛ ምንቅስቃስ ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣብ ደገ ንዝነብሩን፡ ብኲናት ስድራቤታዊ ሽግራት ንዘይበጽሖምን በለጸኛታት ደቂ ሃገር፡ ብመንገዲ ኳደረ ጥፋኣት ኣወል ስዒድ ኣቢሉ ኣብ ምርሳን ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ሰራዊት ዝርከብ መንእሰይ ኤርትራ ንዘይተርፍ ኲናት ብደረጃ ስነኣእምሮ ክዳሎን ብወኒ ክዋጋእን፡ ሃገር ተገዲዳ ናብ ኲናት ትኣቱ ኣላ ዝብል ሰሚናራት ብምስራዕን፡ ናይ ጥፋኣት ደርፍታት ዝዓብለሎ ባህላዊ መደባት ብምድላውን፡ ንስልጣን እቲ ጉጅለ በጃ ዝከውን መንእሰይ ንምድላው፡ ኣብ ሰፊሕ ናይ ሕጽበተ ኣእምሮ መደባት ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ መንእሰያት ካብቲ ዝሕሰብ ዘሎ ናይ ጥፋኣት መደባት ንምህዳም ከይሓስቡ ውን ኣብ ወሰናስን እታ ሃገር ዝተፈልየ ሓለዋ ዶባት የካይድ ምህላዉ”ዩም ዝገልጹ።
ንግብጽን ሶማልን ኣብ ኣስመራ ዓዲሙ፡ ሶማል ንከይትብተንን ግብጺ ማይ ከይትጸምእን፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብዘይምልከቶም ኲናት ንከጥፎኦም ንኢትዮጵያ ናብ ኲናት ዝዕድም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይካ”ቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ኲናት ጎስጋሳት፡ ብመንገዲ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን እንዳ ጸጥታን ዝዝወራ ብዙሓት ናይ Youtube ቻነላት ብምክፋት፡ ውልቃውያን ብዝመስላ መሳኩቲ መራከቢታት ኣቢሉ፡ ንህዝቢ ናብ ኲናት ዝጉስጉስ ሰፋሕቲ መደባት ንምድላውን፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ጥፋኣት ዜማታት ንምዝርጋሕን ኣብ ምሽብሻብ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብ ስደት ዝርከብ ደላዪ ፍትሒ ሎሚ ልዕሊ ዝኮነ ይኩን እዋን፡ ህግደፍ ቀዲምና ናብ ኲናት ከይኣቱ፡ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ከካይድ፡ ብናይ ህግደፍ ባጀት ናይ ኲናት ኣጀንዳ ንምዝራእ ተዋፊረን ንዘለዋ ናይ ዩቲዪብ ቻነላት ተከታቲሉ ተልእኾአን ከምክንን፡ ህዝብና ናብ ደማዊ ኲናት ከያኣተወ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ክቃለስ ከምዝግባእን፡ ኣብ’ቲ ካብ ኣስመራ ኣብዝለኣኩልና መልእክቲ ተማሒጽኖም ።