“ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን መራሕቲ ውድብ ሕዋሓትን፡ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ምፍልላይ ናብ ሓይልታት ጸጥታ ንምልሓሙ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃሳትን፡ ናይ ዕላማ ጻዕዳ ሓሶትን ኣይጻወርን እየ” ክብል፡ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሰላምን ክልል ትግራይ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ኣጠንቂቑ።
ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሰላምን ክልል ትግራይ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ፡ ካብ ሎሚ ንንየው “ንሓድነት ህዝብን ሰራዊትን ብምልሕላሕ፡ ግጭት ሓድሕድ ንምውላዕ ዝሰርሑ ውልቀሰባት ይኹኑ ኣካላትን ክንጻወር ኣይኮናን” ክብል ብትሪ ዘጠንቀቀ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር መንነት ናይቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ንጥፈታት ተዋፊሮም ኣለዉ ዝበሎም ውልቀሰባትን ኣካላትን ብንጹር ኣይተጠቕሰን።
ኣብ መግለጺኡ
“ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝመደበሮም ኣካላት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒሞም፡ ናይ ብዕራይ ወለደ ወረን ሓሶትን ብምዝርጋሕ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ሓይልታት ጸጥታን ዘሎ ሓድነት ንምፍራስ ክሃልኩ እናረኣና፡ ብትዕግስቲ ክንሓልፎ መሪጽና ጸኒሕና” ዝበለ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ “ካብ ሕጂ ንደሓር ግን ልዕልና ሕጊ ክኽበር ብጥብቂ ክንሰርሕ’ኢና” ክብል”ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
“ኣብ ሓይልታት ጸጥታ ጉድለት ኣሎ ዝብል ኣካል እንተዳኣሎ፡ ጭቡጥን ዘእምንን ሓበሬታ ብምሓዝ ብሕጋዊ መንገዲ ሕቶ ከቅርብ ከምዝክእል ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሰላም ክልል ትግራይ፡ “ኣብ መንጎ መራሕቲ ሕዋሓትን ግዚያዊ ምምሕዳርን ንዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋል መዝሚዝካ ዝግበር ናይ ሓሶት ምንቅስቃሳት ግን፡ ሕጋዊ ተሓታትነት ከምዘስዕብ ክፍለጥ ይግባእ” ድሕሪ ምባሉ “ሓይሊ ጸጥታ ክልል ትግራይ ናይ ዝኮነ ይኩን ፖለቲካዊ ጉጅለ መሳርሒ ከምዘይኮነ” ኣብ መግለጺኡ ኣነጺሩ ይርከብ።
ሓይሊ ጸጥታ ክልል ትግራይ ኣብ ማእኸል ፖለቲካዊ ምፍልላይ መራሕቲ ሕዋሓትን ግዚያዊ ምምሕዳርን ብምእታው፡ ንሓደ ጉጅለ ደጊፉ ንሓደ ጉጅለ ዝቃወም መርገጺ ንክወስድ፡ ኮነ ተባሂሉ መሰረት ኣልቦ ተባራሪ ሓሶታት ይስማዕ ምህላዉ ዘረደአ እቲ ቤጽሕፈት፡ እቲ ሓደገኛ ምንቅስቃሳት ፍጹም ተቀባልነት ከምዘይብሉን፡ ሓይሊ ጸጥታ ወገን ዝሕዘሉ ኩነታት ከምዘየለን ብምግላጽ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ንዝተዋፈሩ ውልቀሰባትን ትካላትን ብምህዳን፡ ጸጥታን ሰላምን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽ ከምዝሰርሕ”ዩ፡ ኣብ’ቲ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራከቢታት ኣቢሉ ኣብ ዘሕለፎ መግለጺኡ ኣነጺሩ ዝርከብ።