ተሳተፍቲ ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስ ሊባኖስ ዝኾና ሃገራት፡ 1ቢሊዮን ዶላር ሰብኣውን ወታሃደራውን ደገፋት ክገብሩ ቃል ምእታዎም ተገሊጹ።
ንሊባኖስ ዝተኣትወ ቃል ኣብ’ቲ ኣብ ፓሪስ ናይ ፈረንሳ ዝተካየደ ዓለምለኻዊ ኮንፍረንስ ኮይኑ፡ ንበይሩት ክወሃባ ተባሂሉ ዘሎ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ወታሃደራውን ሰባኣውን ሓገዛት፡ ልዕሊ 1 ሚልዮን ህዝቢ ክፈናቀልን፡ ልዕሊ 2500 ሰባት ድማ ክመቱን ብዝገበረ ኩናት እስራኤልን ህዝቦላህን፡ ቁጠባ እታ ሃገር ናብ ፍጹም ውድቀት ወሪዱ ብምህላዉ፡ ብኩናት ትሃስያ ንዘላ ሊባኖስ መሰረታዊ ደገፍ ምኳኑ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ኣብዚ ልዕሊ 70 ሃገራትን ዓለም ለኻውያን ትካላትን ዝተሳተፋሉ ናይ ፓሪስ ኣኼባ፡ 800 ሚልዮን ዶላር ንሰብባዊ ሓገዛት፡ 200 ሚልዮን ዶላር ድማ ንጸጥታዊ ሓይሊ እታ ሃገር ንምድልዳል ዝውዕል ምዃኑ”ዩ፡ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ፈረንሳ ዛን ኖኤል ባሮት ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተሳተፋ ሃገራት፡ ኣመሪካ 300 ሚሊዮን ዶላር፡ ፈረንሳ 100 ሚልዮን ዶላር፡ ጀርመን 96 ሚልዮን ዮሮ፡ ጥልያል 10 .8 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ንክገብራ ቃል ምእታወን”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ንዝወረደ ዕንወት ብቅልጡፍ ሰባኣዊ ሓገዝ ንምርግጋእ፡ ልዕሊ 426 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድሊ፡ ውዱብ ሑቡራት ሃገራት ኣቀዲሙ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እዚ ዝግበር ዘሎ ገንዘባዊ ደገፍ ውን እንተኮነ፡ ብሰንኪ ተከሲቱ ዘሎ ኣሸጋሪ ኩነታት፡ ብህጹጽ ናብ ዝትሃስዩ ግዳያት ክበጽሓሉ ዝክእል ዕድላት ከይጸብብ ስጋኣት ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰባኣዊ ሓገዛት ናብ ዝተጉዱኡ ኣካላት ናይ ምብጻሕ መስርሕ፡ ብስርቅን ብልሽውናን ወተሃደራውያን መራሕቲ ክሰናከል ንዘሎ ተክእሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰብ ሞያ ወሃብቲ ሰባኣዊ ደገፍ፡ ኣብ ምንቅስቃሳቶም ልዑል ጥንቃቀ ክገብሩ ውን”ዩ እቲ ኣኬባ ኣስሚርሉ ዝርከብ።