ሕጂ’ዉን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ’ቶም ብመሓዉራት ዜናን መልኽተኛታትን ህግደፍ ኣብ ስደት ዝጓሃሃሩ ዘለዉ ናይ ሃይማኖትን ኣውራጃን ሽሒታት ተጸሚዶም ዝዓበየ ዕላማኦም ከይዝንግዑ ፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጽኡ ዘለዉ ህዝባዊ ለበዋታት ጸዊዖም።
ህግደፍ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኮነ ኢሉ ነዚ ናይ ዓድን ጎዶቦን ፖለቲካ በተን ኣብ ስደት ዝነጥፋ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜናኡ የነሃህሮ ከምዘሎ ፡ ናይ’ዚ መሰረታዊ ዕላማ ድማ – ነቲ ኣብ ስደት ዝገዝፍ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ዘየድልዩ ኣርስታት ከድህብን ኣብ ነንሕድሕዱ ከይተኣማመንን ንምግባር ከምዝኾነ እዮም እቶም ለበዋታት ዘተሓሳስቡ ።
ደንበ ፍጥሒ ልዕሊ ካልእ እዋን ጸላኢኡ ፈሊጡን ሜላታት ቃልሲ ኣወርጺጹን ኽግስግስ ብምጅማሩ: ነዚ ገስጋስ እዚ ንምዕንቃጽ ፡ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ብሃይማኖትን ዓደይ ዓድኻን ኽባላዕን ክተሓማመን ምግባር ብህግደፍ ይጉየየሉ ኣሎ።
ኣብ ደንበ ፍትሒ እንዳሃለዉ ነዚ ሽርሒ እዚ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝጉስግሱ ወገናት ብምህላዎም እዉን : እቲ ብህግደፍ ዝንዛሕ ዘሎ ዉዲት ፡ ሸለል ኢልካ ዘይሕለፍ ሓደጋ የቀላቕል ከምዘሎ ይንገር።
ስለዝኾነ፡ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ነዚ ንቓልሱን ገስጋሱን ንድሕሪት ዝመልስ ህግደፋዊ ሽርሒ ካብ ምስሳይ ኣርሒቚ ፡ ሃገራዊ ፍታሕ ኣብ ምርግጋጽ ጎደናታት ቃልሲ ክምርሽ እዩ እቶም ካብ ዉሽጢ ሃገር ዝመጹና ዘለው ለበዋታት ዘገንዝቡ።