ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ከቲማቶ ዘላ ስምምዕ ተጋባራዊ ከምዝኸዉን ብሰብ መዚ እታ ሃገር ዝወሃብ መግለጺታት ገና ይቕጽል ኣሎ። ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሳ ብሒ ኣብዚ ቅንያት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ፡ እቲ ስምምዕ ብዝኾነ መንገዲ ንድሕሪት ከምዘይብል ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘረባኡ፡ እቲ ስምምዕ ቀጻሊ ተጻብኦታት መንግስቲ ሶማልን ተደናገጽቱን እኳ ይጽዕቈ እንተሎ: ክሰናኸል ከምዘይኮነ እዩ ኣረዲኡ። ሶማሊላንድ ን34 ዓመታት ርእሳ ከተመሓድር እትርከብ ልኣላዊት ሃገር እያ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ መንግስቲ ሞቓዲሾ ነዚ ዘንጊዕዎ ከምዘሎ እዩ ኣተሓሳሲቡ።
መንግስቲ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንተግባራዉነት ከምዝተጻፈፈ፡ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ’ታ ርእሰምምሕዳር ንዝነጥፉ ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ብወግዒ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ሶማሊላንድ ዒሳ ቃይድ ኣብ’ቲ እዋን ነቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ :እቲ ስምምዕ ኩሉ ሸነኻቱ ንትግባረ ድሉው ኮይኑ ተጻፊፉ ከምዘሎን: ከም ሕጋዊን ወግዓዊን ውዕል ንምኩዋኑ ድም ዝተረፈ ነገር ከምዘየለ እዩ ኣነጺሩ።
ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ኣብ ስምምዕ ካብ ዝበጽሓ ፡ ሃባራዊ ኮሚቴ ቴክኒክ ኣቚመን ንኣተገባብራ ዝተበጽሑ ነጥብታት ብዝምልከት ቀጻሊ ይዛተያ ምጽንሐን :እቲ መስርሕ ድማ ኣብ ዝስዕቡ ክልተ ኣዋርሕ ክጻፈፍ ልዑል ተኽእሎ ምህላዉ እዩም ሰብ መዚ እታ ርእሰ-ምምሕዳር ብቐጻሊ ዝሕብሩ ዘለዉ።
ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ትጐየሉ ዘላ ዉዕል ንኣህጉራዊ ዉዕላት ብቐንዱ ድማ ንልኣላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ሶማል ዝጥሕስ እንዳሃለወ፡ ምስቲ ጥሕሰት ዝመጣጠን ኣህጉራዊ ኩነኔ ይርአ ከምዘየሎ ይንገር። ብዘይካ’ተን ምስ ሶማል ናይ ጆግራፍን ረብሓን ቅርበት ዘለወን ከም ግብጺ፡ ቱርኪን ኤርትራን ከምኡ’ዉን ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ እንተዘይኮይኑ ፡ ዝበዝሓ ሓያላት ሃገራትን ፡ ዞባውያንን ኣህጉራዉያንን ኣካላትን ብዛዕባ እቲ ጥሕሰት ይሻቐላ ምህላወን ካብ ምግላጽ ሓሊፈን ነቲ ጉዳይ ኣደብ ኣብ ምትሓዝ ዛጊት ዝኾነ ስጒምቲ ኣይወሰዳን።