ህግደፍ ንደለይቲ ፍትሒ መሰረት ዘይብሎም ክስታት መስሪትካ ፍቐዶ ኣብያተ ፍርዲ ንምድኻሞምን፡ ካብ ቃልሲ ንምዕንቃጾምን ዝገብሮም ሃቐነታት ከይዕወት ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሓቢሩ ክወፍር መዘኻኸሪ ቀሪቡ።
ማሕበረኮም ህግደፍ ኣብ ሲያትልን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ 13 ደለይቲ ፍትሒ ዘይጭቡጥ ክሲ መስሪቱ ኣዝዩ ልዑል መጠን ገንዘብ የባኽን ከምዘሎ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ እዚ ናይ ከተማ ሲያትል ጉዳይ ብዓወት ደለይቲ ፍትሒ ንኽዛዝምን ህግደፍ ኣደብ ኪሕዝን ዘኽእል ሓባራዊ ጻዕሪ እንተዘይሰሚሩ፡ ህግደፍ በቲ ዓወት ተተባቢዑ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ተመሳሳሊ ወፍሪ ኽለምድ ዝለዓለ ተኽእሎ ከምዝህሉ እዩ ዝንገር።
ኣብ ስያትል ኣብ ልዕሊ’ቶም ተቓለስቲ ተመስሪቱ ዘሎ ሲቪላዊ ክሲ መርትዖ ሃሊይዎ ዘይኮነ ልዑል ክፍሊት ዝሓቱ ጸለውቲ ጠበቓታት ቈጺርካ ንምዕዋትን ነቶም ተቓለስቲ ብግዜን ገንዘባዊ ወጻኢታትን ንምቊሳሎምን ዝሓለነ ጥራይ እዩ። እዚ ሜላ እዚ ብዉሁድ ስራሕ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብእዋኑ ክፈሽል እንተዘይተጌሩ ድማ ነዊሕ መዘዝ ከምዝህልዎ ምፍላጥ የድሊ።
እቲ ኣብ ሲያትል ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ፡ ብቐንዱ መን ዝለዓለ ገንዘባዊ ወጻኢታት ገይሩ ኣብ ዝብል ሸነኽ ዘይነዓቕ ጽልዋ ስለዘሎ: ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ነዚ ኣብ ልዕሊ 13 ተቓለስቲ ፍትሒ ተመስሪቱ ን150 ካልኦት ተቓለስቲ እዉን ክጽንብር ተኽእሎታት ኣንቢሩ ዘሎ ህግደፋዊ ክሲ ንምስዓር፡ ገንዘባዊ ወጻኢታት ኪገብርን ዓዓቕሙ ናብ ኣብ ባንክ ኦፍ ኣመሪካ ተኸፊቱ ዘሎ ማዕከን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራዉያን ሒሳብ- 488128290369 ከወፊን ዳግማይ ይጽዋዕ ኣሎ።
እቲ ኣብ ስያትል ተኸፊቱ ዘሎ ሕጋዊ ቅልስ : ደለይቲ ፍትሒ – መሓዉራዊ ገበናት ህግደፍ ሕጋዊ መኣደብታ ኣብ ምርግጋጽ ክትልምዎ ንዝጸንሑ ቃልሲ ደፋኢ ተራ ንኽህልዎ እምበኣር: ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ነዚ ንምዕዋት ሓሓላፍነቱ ክዋጻእ የድሊ።