ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣሲሲ፡ ነቲ ብፓርላማ ሃገሩ ሓሊፉ ዘሎ ተሪር ሕጊ ዑቕባ ከይፍርመሉን ከየጽድቘን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።
እቲ ዝሓለፈ 19 ሕዳር ብፓርላማ ሓሊፉ ንኽጸድቕ ኽታም ፕረዚደንት ኣሲሲ ዝጽበ ዘሎ ሕጊ፡ ንኹሎም ዓንድታት ኣህጉራዊ ሕጋጋት መሰላት ዑቕባ ዝግህስ ምዃኑ ዘተሓሳሰበ ኣምነስቲ ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር እወታዊ ተራኡ ክጻወት እዩ ጸዊዑ ዘሎ።
እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ 1954 ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክምሕደር ዝጸንሐ ጉዳይ ምዝገባን መስርሕ መጻኢ ዕድላትን ሓተቲ ዑቕባ ምሉእ ብምሉእ ናብ ኢድ ክፍሊ ስደተኛታት መንግስቲ ግብጺ ዘሰጋገር ኾይኑ፡ ንሓተቲ ዑቕባን ዑቕበኛታትን ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዘቃልዕ ከምዝኸዉን እዩ ኣምነስቲ ዘጠንቅቕ ።
እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ንመሰላት ሕቶ ዑቕባ ዘጽብብ፡ ንገደብ ግዜ መስርሕ ዑቕባ ክፉት ዝገድፍ፡ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ግብጺ ኸጠርዝዎም ዘኽእሉ ምኽኒታት ድማ ዘባዝሕ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ ዘሎ። ሓይሊ ፖሊስን ካልኦት ኣሃዱታት ሓለዋን ጸጥታን ግብጺ እዉን ብመንገዲ እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ድሮ ዝኣተዉን ክኣትዉ ዝተሓዙን ሓተቲ ዑቕባ ገደብ ዘይብሉ ሓይሊ ክህልዎም ከምዝኽእል እዩ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ስክፍታኡ ዝገልጽ።
ብተወሳኺ እዚ ሓድሽ ሕጊ ፡ ኣብ ሃገሮም ንዘለዉ መለኽቲ ስርዓታት ስለዝተቓወሙን ንደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ስለዝተሓለቚን ናብ ስደት ኣምሪሖም ናብ ግብጺ ዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ፡ ምስቶም ገበን ፈጺሞም ናብ’ታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምምስሳሎም ዝሓለነ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣምነስቲ፡ ብቐንዱ’ዉን ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከይወፍሩ ዝኽልክል ከምዝኾነ የተሓሳስብ።
ብዘይካ’ዚ እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ዝኾነ ናብ’ታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወ ሓታቲ ዑቕባ ፡ ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልታት ክምዝገብን ጠለቡ ከቕርብን ዝእዝዝ ኮይኑ፡ እዚ ሓተቲ ዑቕባ ዝኣክል ሰነዳት ከቕርቡን ሕጋዊ ደገፋት ክረኽቡን እኹል ግዜ ከምዘይኮነ ይንገር።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ እዋናዊ መጸዋዕታኡ፡ እቲ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኝታት ምስ ግብጺ ሓቢሩ ዝሰርሕ ዘሎ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፡ ነዚ ንመሰላት ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ፍጹም ሓደጋ ዘእቱ ሓድሽ ሕጊ ተግባራዊ ኸይከዉን ጸቕጢ ኽገብር ኣትሪሩ ተማሕጺኑ ኣሎ።
እዚ ሕድሽ ሕጊ ፕረዚደንታዊ ኽታም እንተተቐሚጥሉ ብቐንዱ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዓሰረተታት ኣሽሓት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ሓለፋ ክሃሲ ምዃኑ ይግመት።