ትማሊ ሓሙስ 5 ታሕሳስ 2024 ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ጸጥታን ፖለቲካን ክልል ትግራይ ከምዝዘተየ፡ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ እታ ሃገር ETV ገሊጹ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ዘተ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳን፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤልን ከምዝተሳተፉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡
ብወገን መንግስቲ ፈደራል ውን፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፌደራልን መራሕቲ ክልላትን ከምዝተሳተፉን፡ ህሉው ጸገማት ክልል ትግራይ ብከመይ ይፈታሕ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ከምዝዘተዩን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ’ቲ ዘተ ካብ ዝተላዕሉን፡ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ኣብ ዝተቐመጡን ዛዕባታት፡ ጸጥታዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ምርግጋጽን፡ ህዝቢ ጽፉፍ ምምሕዳርን ልምዓታዊ መደባትን ብህጹጽ ንክረክብ፡ ኣድላዪ ቀረባት ብምምላእ ብሓደ ንክሰርሑ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብዘይካ”ዚ ተመዛበልቲ ዜጋታት ናብ ቦቶኦም ዝምለሱሉ ኩነታት ንምፍጣርን፡ ዕጡቓት ናብ ንቡር ሂወቶም ናይ ምምላስ መስርሕ ውን ህጹጽ ቆላሕታ ክግበረሉ ከምዝተረዳዱኡ”ዩ ተገሊጹ።
ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ክልል ትግራይ ብሕጋዊ መንገዲ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ክውዕልን፡ ንህዝቢ ዘግልግል መንግስታዊ ኣገልግሎት ክመሓየሽን ኣብ ዝብል ጉዳያት ውን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ክልላዊ ምርጫ ትግራይ ክሳብ ዝካየድ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፍነቱ ብኸመይ ከምዝፍጽም እውን ኣካል ናይቲ ዘተ ኮይኑ ከምዝተላዕለን፡ ከምዝተዘተየሉን”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሕ ናይ ጌታቸው ረዳ ጉጅለን፡ ብዶክተር ደብረጺዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ናይ ሕውሓት ጉጅለን፡ ናይ ስልጣን መን ሓዘ ምትፍናን ገና ይቅጽል ምህላዉ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክልቲኦም ኣካላት ተዛቲዮም ክፈትሕዎ እንተዘይኪኢሎም፡ ትግራይ ብፈደራል ክትምራሕ ምኳና መንግስቲ ፈደራል ከምዘጠንቅቆም፡ ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።