ጉጅለ ህግደፍ ንመሰረታዊ ጠልባት ህይወትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከም መሳርሒ ጭኮና ብምጥቃም ፡ ህዝቢ ን34 ዓመታት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ዘንበርክኽ ምሕደራ ብዝሓየለ ይሰርሓሉ ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ እኹል መግቢን ማይን፡ ኣገግሎታት ጥዕና፡ መጓዓዝያ፡ መራኸቢታትን ኤሌክትሪክን ከምዝሓስሞ ጌርካ ፡ ፍጹም ተገዛኢን ተንበርካኺን ንምግባሩ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ካብ ዝስረሓሎም ዘሎ ፖሊሲታት ሓደ እዩ።
ህዝቢ ብስእነት መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ቀዪድካ፡ ካብ ልምዓት ከምኡ’ውን ካብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ተወዳዳርነት ነጺልካ ንምኹርናዑ ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ዝስራሕ ዘሎ ኾይኑ፡ ናይ’ዚ መለሳ መነባብሮ፡ ቊጠባዊ ሓይሊ፡ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊን ቴክኖሎጂካዊን ብቕዓት ናይቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ኣመና ተዳኺሙ ይርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ ፡ ህዝቢ ንወቕታዊ ርኽበትን ሰንሰለታዊ ስእነትን መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ጥራይ ኸስተብህልን ኽግዛእን ጌርካ ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበረ-ቊጠባዊን ወተሃደራዊን ኩነታት ሃገር ብዊንታኡ ጥራይ ኽምእዘን ጌሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ ንመሰረታዊ ጠለባት ህይወት ከም መሳርሒ ጭኮናን ምልክን ጌሮም ካብ ዝጥቀሙ መለኽቲ ስርዓታት ፡ ህግደፍ መወዳድርቲ ዘለዎ ኣይመስልን።
ብዘይካዚ ህግደፍ ፡ ህዝቢ ነጻ ጉልበቱ ኣፊሱሎም መለሳ ኣብ ዘይረኸብሎም ናይ ልምዓት መደባት ንዓሰርተታት ዓመታት እንዳህለኸ ሓይሉን ግዛኣቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኸረጋግጽን ኽግምግምን ካብ ምፍታን ኣየዕረፈን ዘሎ።
ተገዛእነት ህዝቢ ንምምስካር ጥራይ ፡ እዋናዉነት ዘይመርጹን፡ ብዝቐለለ ጸዓት ኪዕመሙ ዘየሸግሩን ናይ ልምዓት መደባት ንምስልሳል፡ ሽማግለታት እዉን ዘይንሕፉ ዘየቋርጹ ህዝባዊ ወፈራታት ምክያድ ፡ መሰረታዊ ዕላማኦም ልምዓትን ህዝባዊ ረብሓን እንተዝነብር፡ ወፊሮምን ተዓሚሞምን ዝበሃሉ መደባት ልምዓት ኣእላፋት ክንሶም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝበኣሰ ሕሰም መነባብሮ ይቕጽል ኣይመሃለወን ዝብሉ ተንተንቲ ቊጠባ ሃገርና ብዙሓት’ዮም።