ከቢድ ወተሃደራዊን ዲፕሎማስያዊን ብድሆታት ኣሸጊርዎ ከምዘሎ ዝንገረሉ ዳዕመል ሰሪዕ ፡ ንእዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝሓለፈ ሰኑይ 13 ጥሪ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኸካይዶ መዲቡ ዝነበረ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ካብ ኣመሪካ ተሪር እገዳ ሓሊፍሉ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ፡ ካብ ሰብ መዚ መንግስቲ ኬንያ ብዝጎነፎ ጸቕጢ ነቲ መደብ ከምዝሰረዞ እዩ ዝሕብር።
ዳዕመል ሰሪዕ ብኣመሪካ ተኣጊዱ እንዳሃለወ መደረኽ ከፊትክምሉ ኸይበሃሉ ዝሰግኡ ሰብ መዚ ኬንያ ፡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኽቃናዕ ሒደት ሰዓታት ምስ ተረፎ ፡ ነቲ መደብ ክመርሑ ዝተላእኩ ላዕለዎት ኣባላት እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ብሰብ መዚ ኬንያ ናብ ፍሉይ ቦታ ከምዝተጸውዑን ፡ ሻቡ ድማ እቲ መደብ ክስረዝ ከምዝተገብረን እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ።
ዳዕመል ሰሪዕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናይ 2024 ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝሰርዖ ተመሳሳሊ መደብ እዉን ተሰሪዙ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እቲ ሱዳናዊ ዕጡቕ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ጃምላዊ ዓመጽ፡ ከምኡ’ዉን ምዕጋትን ምዝራፍን ሰብኣዊ ረድኤት ኽዉቀስ ዝጸንሐ ኾይኑ፡ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነዞም ወቐሳታት ዳግማይ ወግዓዊ ብምግማር ፡ ንመራሒ እቲ ዕጡቕ ጉጅለን ስድራቤቱን ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘሕለፈ ይፍለጥ።
ካብ ኤማራት ወተሃደራዊ ደገፍ ከምዘለዎም ዝንገረሎም ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ከቢድ ወተሃደራዊ ስዕረት ይገጥሞም ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ እቶም ሓይልታት ካብ ከም ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ይዝነቦም ኣሎ።
እቲ ኲናት ሕድሕድ ንሂወት ልዕሊ 15 ሽሕ ሰላማዊ ህዝቢ ሱዳን ወሲዱ ምህላዉ እኳ ኽግለጽ እንተጸንሐ፣ እቲ ኣሃዝ ግን ልዕሊ150 ሽሕ ኪኸዉን ከምዝኽእል እዩ ብሕቡራት ሃገራት ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ዘተንብህ። ዝኾነ ተስፋ ሰላማዊ ፍታሕ ተጸንቂቕዎ ዝመስል ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዛጊት ንልዕሊ ሓደ ሕምሲት ህዝቢ እታ ሃገር ናብ ውሽጢን ግዳምን ኣሳዲዱ ዘሎ ኾይኑ፣ ንልዕሊ 25 ሚልዮን ካልኦት ድማ ተጸበይቲ ህጹር ረድኤት ጌርዎም ከምዘሎ ይጽብጸብ።