መጠን ሕቶ ዑቕባ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዓመተ 2024 ብርኡይ ከምዘንቈልቈለ ትካል ሓተቲ ዑቕባ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣመልኪቱ። ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ እቲ ትካል፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ስዊዘርላንድን ኖርወይን ኣብ 2024 ዝተመዝገበ ሕቶታት ዑቕባ፡ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ዓመት ብ12 ሚእታዊት ምጉዳሉ እዩ ዝንገር ።
ኣብ 2024 ብጠቕላል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሕቶታት ዑቕባ ክስነድ እንከሎ ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ልዕሊ 1.14 ሚልዮን ሰባት ዑቕባ ምሕታቶም እዩ እቲ ጸብጻብ ዘረድእ።
ዝበዝሐ ካብ’ቲ ኣብ 2024 ተሰኒዱ ዘሎ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ሃገር ጀርመን ኮይኑ፡ ብጠቕላላ ኣስታት 236 ሽሕ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ጠለብ ዑቕባ ኣቕሪቦም። ንጀርመን ስዒባ ስጳኛ ልዕሊ 165 ሽሕ ፡ ፈረንሳ ልዕሊ 158 ሽሕ፡ ጥልያን ድማ ልዕሊ 154 ሽሕ ጠለባት ዑቕባ ብምስናድ ንዝገዘፈ ክፋል ናይቲ ብጠቕላላ ተመዝጊቡ ዘሎ ብዝሒ ወኪለን ኣለዋ።
ካብተን ሃገራት ኤውሮጳ ዝወሓደ ሕቶ ዑቕባ ዝተመዝገበላ ሃገር ፡ ሃንጋሪ ኾይና 29 ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ እዮም ጉዳዮም ኣቕሪቦም ዘለዉ።
ሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ብዝኽተልኦ ዘለዋ ተሪር ፖሊሲ ናብተን ሃገራት ኣምሪሖም ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ሰባት ቊጽሪ ዓመታዊ ኽጎድል ይርአ እኳ እንተሎ፡ ከም ግምት እተን ሃገራት ይኸይድ ከምዘየሎ እዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝመልክቱ።